ኣብ የመን ዝነበሩ 222 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣብ የመን ዝጸንሑ 222 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ካብ 6 ክሳብ 11 ግንቦት ካብ ሰንዓ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብነፋሪት ከምዝግዓዙ ኣሁራዊ ውድብ ስደተኛታት ሓቢሩ። 

እቶም ስደተኛታት ኣብ ኣርባዕተ በረራታት እዮም ኢትዮጵያ ኣትዮም። እቶም ስደተኛታትህይወቶም ክኣልዩ ይኹን ናብ ሃገሮም ምምለሲ ዝኸውን ክከፍሉ ዓቕሚ ዘይብሎምኰይኖም ኣብታ ብዂናት እትሕመስ ዘላ የመን ኣብ ማእከል ኲናት ተቐርቂሮም ዝተረፉ ምዃኖም ኣህጉራዊ ውድብ ስደት ይገልጽ። እዞም ጉጅለ ድሕሪ ፍርቂ መጋቢት ናይዚ ዓመት እዚ ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ ስደተኛታት እዮም።

ብፍቓዶም ንዝምለሱ ስደተኛታት ዝዳሎ ዝነበረ በረራታት ግጭት የመን ኣብ 2015 ኣብ ዝጀመረሉ ተቛሪጹ ጸኒሑ ብሕዳር 2018 እንደገና ጀሚሩ። ኣብቲ በረራታት ኣቋሪጹሉ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣካላት ሕቡራት ሃገራት ብጃላቡ ባሕሪ ኣስጊረን ብጂቡቲ ኣቢለን ስደተኛታት ይመልሳ ኔረን። ካብ ምእታው እዚ ዓመት እዚ 733 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ብፍቓዶም ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ኣለዉ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ዓመት እዚ 3,000 ዝበጽሑ ስደተኛታት ክመልስ ምዃኑ ብጥሪ ሓቢሩ ኔሩ።

እታ ሃገር ብዂናት እናተሓመሰት ከላ ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ቁጠባዊ ዕድላት ዘናድዩ ስደተኛታት ብባሕርን ብምድርን ናብ ሓውሲ ደሴት ኦኣረብ ዝገብርዎ ጉዕዞ ኣየቋረጹን። ኣብ ማእከል እዚ ኲናት ዝካየደሉ ዘሎ ሃገር ዝተታሕዙ ስደተኛታት ተገፊፎም ኣብ ግዝያዊ መዕቀሊታት ተቐሚጦም ኣለዉ። ኣህጉራዊ ውድብ ስደት ኣቐዲሙ ስደተኛታት ጥይት ይትኰሶም ከምዘሎ ወይ ድማ ብሰንኪ ኣብ መዳጐኒ ዘሎ ዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ይሞቱ ኸምዘለዉ ሓቢሩ እዩ። ኣብ ዘይንጹህን ልዕሊ ዓቕሙ ዝተጨቓጨቐን መዕቈቢ ዝተታሕዙ ስለዝተታሕዙ እንተወሓዱ ሸሞንተ ስደተኛታ ንሸሮኽ ብዝመስል ሕማም ሞይቶም ብድምር 5,000 ኣቢሎም ዝዀኑ ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተበገሱ ስደተኛታት ኣብ ክልተ ሜዳታት ኩዕሶ እግርን ሓደ ወተሃደራዊ መዓስከርን ኣብ ዞባታት ዓደን፡ ላሕጅን ኣብያንን ይርከቡ።

ስደተኛታት ኣብ ጉዕዞኦም ካልእ ሓደጋታት ውን የጋጥሞም እዩ። ብዙሓት ኣብ ባሕሪ ሓደጋ ብምግጣሙ ይሞቱ።እቶም ስደተኛታት ኣብ ጉዞኦም ዑቕባን ሓገዝን ከይረኽቡ ብዙሕ ብድሆታት የጋጥሞም። ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ንየመንን እዚ ዞባን ንስደት ብዝዓዪ ኣገባብ ክገጥሙሉ ኽሕግዝ ድሉው እዩ፡ይብል ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ። ብመሰረት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ 2018 ክሳብ 150,000 ዝበጽሑ ስደተኛታት የመን በጺሖም።

TMP – 19/05/2019

 ሰኣላይ፦ ሙኒር ሮስዲ / ሻተርስቶክ

ስእሊ፡ ኣህጉራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ሰንዓ