ህይወት 170 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጠፊኡ

ክሳዕ 170 ከምዝበጽሑ ዝተገመቱ ስደተኛታት ኣብ ክልተ ካብ ሞሮኮን ሊብያን ተበጊሰን ናብ ስጳኛ ዝጕዓዛ ዝነበራ ናይ ፕላስቲክ ጃላቡ ብዘጋጠመ ሓደጋ ብ19 ጥሪ ኸምዝጠፍኡ ትካላት ምድሓን ህይወት ሓቢረን።

ኣብቲ ቐዳማይ ሓደጋ ሰለስተ ዝደሓኑ ስደተኛታት ኣብታ ዝነብርዋ ጃልባ 120 ሰባት ከምዝነበሩ ብምሕባሮም እንተወሓዱ ኽልተ ቘልዑ ዝርከብዎም 117 ሰባት ከምዝጠፍኡ ኣይተረኽቡን ኣለዉ። ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት መብዛሕትኦም እቶም ስደተኛታት ምዕራብ ኣፍሪቃውያን ክዀኑ ኸለዉ 40 ሱዳናውያን ከምዝነበርዎም ገሊጹ።

እቶም ስደተኛታት ካብ ትሪፖሊ ንምብራቕ ካብ እትርከብ ጋራቡሊ ከምዝተበገሱ ኣፈኛ ኣይ ኦ ኤም ፍላቭዮ ዲ ጃኮሞ ይሕብር። “ኣብ ባሕሪ 10 ኽሳብ 11 ሰዓት ምስጸንሑ እታ ጃልባ ክትጥሕል ስለዝጀመረት ሰባት ክጥሕሉ ጀሚሮም፡” ይብል ዲ ጃኮሞ ምስ ሮይተርስ ኣብ ዝተዘራረበሉ። እቶም ዝደሓኑ ኣብዚ እዋን ኣብ ላምፔዱሳ፡ ኢጣልያ ኣብ ሆስፒታል ይርከቡ።

እቲ ኻልኣይ ሓደጋ ኣብቲ ኣብ ምዕራብ ማእከላይ ባሕሪ ዝርከብ ባሕሪ ኣልቦራ 53 ሰባት ዝጠፍኡሉ እዩ። ኣብ ባሕሪ 24 ሰዓት ድሕሪ ምጽንሑ ገፈፍቲ ዓሳ ከምዘድሓንዎ ዝተሓበረሉ ካብታ ጃልባ ዝደሓነ ስደተኛ ናብ ሞሮኮ ተወሲዱ ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቡ ኣሎ።

ብመሰረት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ህይወት ኣአድሕና መራኽብ ንመዓልታት ደልየን ብዘይፍረ ተመሊሰን። እቲ ወኪል ስደተኛታት በቲ ጸብጻባት ከምዝጕሃየን ነቲ ቝጽሪ ኸረጋግጾ ከምዘይክእልን ኣፍሊጡ።

“እዚ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጥም ዘሎ ጥፍኣት ክቕጽል ክፍቀደሉ ኣይክእልን እዩ፡” ይብል ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንዲ ኣብ ዝሃቦ ቓል። “ነዞም ኣብ ኣፍደገ ኤውሮጳ ዝጠፍኡ ዘለዉ ስደተኛታት ሸለል ክንብሎም ኣይንኽእልን ኢና። ኣብ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ዝርከባ ነፍሳት ንምድሓን ዝከኣለና ዘበለ ኻብ ምግባር ድሕር ክንብል የብልናን፡” ይብል።

ብመሰረት ካብ ኣይ ኦ ኤም ዝተኣከበ ሓበሬታ፡ 4,449 ስደተኛታት ኣብተን ቀዳሞት 16 መዓታት 2019 ብባሕሪ ናብ ኤውሮጳ ኣትዮም። እዚ ቝጽሪ እዚ ካብቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ዝኣተዉ 2,964 ርኡይ ወሰኽ እዩ። ካብቶም ብማእከላይ ባሕሪ ዝኣተዉ እቶም 80 ሚእታዊት ዝዀኑ ብስጳኛ ዝኣተዉ እዮም።

TMP – 05/02/2019

ስእሊ፡ ጂን ኢሴንኮ። ስደተኛታት ኣብ ንእሽቶ ጃልባ ኣብ ሸነኽ ገማግም ስጳኛ።