ኣብ 2019 ዛጊት ህይወት ልዕሊ 1,000 ስደተኛታት ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ጠፊኡ ኣሎ
ካብ 1 ጥሪ ክሳዕ 3 ጥቅምቲ ናይ 2019፡ ብውሕዱ ህይወት 1,041 ስደተኛታት ኣብ ቀንዲ ሰለስተ መስመራት ማእከላይ ባሕሪ ጠፊኡ ከምዘሎ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት 4 ጥቅምቲ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ኣረዲኡ። ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ናይ ዝሓለፈ ዓመተ 2018 ኣብ’ቶም መስመራት ህይወቶም ናይ ዝሰኣኑ ስደተኛታት ቊጽሪ 1,890 ምንባሩ ይዝከር።
ብመሰረት ጸብጻብ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ፡ 660 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ሸነኽ ፡ 315 ኣብ ምዕራባዊ ሸነኽ፡ ዝተረፉ 66 ካልኦት ድማ ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ ናይ ማእከላይ ኣሕሪ ህይወቶም ዝሰኣኑ ምዃኖም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ካብ 2014 ጀሚሩ ዛጊት ህይወት ልዕሊ 1,000 ስደተኛታት ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ይጠፍእ ከምዘሎ፥ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 6 ዓመታት ድማ ብጠቕላላ ህይወት 18,960 ስደተኛታት ኣብ’ቲ ማያዊ መስመር ጠፊኡ ምህላዉ ይንገር።
ኪንዮ’ቲ ናብ ኤውሮጳ በጺሑ ዝበሃል ቊጽሪ ስደተኛታት፡ ብዙሓት ደቂ-ተባዕትዮን ቆልዓ-ሰበይቲን ስደተኛታት ከቢድ ሕሰም ዘሕልፉ ምህላዎም እዩ ሓላፊ ክፍሊ ምውህሃድ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝኾነ ኣቶ ላውረንስ ሃርት ዝዛረብ።
ማእከላይ ባሕሪ ንስደተኛታት ካብ ቀተልቲ መስመራት ኮይኑ ይቕጽል ምህላዉ ይፍለጥ። ኣብ ወርሒ ሓምለ ናይ’ዚ ዓመት ፡ 150 ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ኣብ ዘካይድዎ ዝነበሩ ጉዕዞ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ሓደ ህሞት ህይወቶም ስኢኖም’ዮም። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ተርእዮ “ናይ’ዚ ዓመት ዝበኣሰ ህልቂት” ክብል ጠቒስዎ ነይሩ።
ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ዘርጊሑዎ ኣብ ዘሎ እዋናዊ ጸብጻብ፡ ካብ 1 ጥሪ ክሳዕ 2 ጥቅምቲ ናይ’ዚ ዓመት 72,263 ስደተኛታት ማእከላይ ኣሕሪ ሰጊሮም ናብ ኤውሮጳ ከምዝኣተዉ እዩ። እዚ ኣሃዝ ካብ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ዝተመዝገበ ብዝሒ ብ 14 ሚእታዊት ዝትሕት እዩ።
ከባቢ 78 ሚእታዊት ካብ’ዚም ኣብዚ ዓመት ናብ ኤውሮጳ ዝኣተዉ ስደተኛታት ናብ ግሪኽን ስጳኛን ዝበጽሑ ኮይኖም፡ 39,155 ናብ ግሪኽ፡ 17,405 ድማ ናብ ስጳኛ ኣትዮም ኣለዉ። ማልታ፡ ቆጵሮስን ጥልያንን ኣብ’ዚ ዓመት ውሑድ ቊጽሪ ስደተኛታት እየን ርእየን።
ዋሕዚ ስደተኛታት ብመንገዲ ማእከላይ ባሕሪ ንምግታእ ፡ ጥልያንን ሊብያን ሓባራዊ ጻዕርታት ከካይዳ ጸኒሐን ኣለዋ። ኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ብጥልያን እንዳተሓገዙ ንማያዊ መስመር ሊብያ-ጥልያን ክሕልዉን፡ በቲ መስመር ንዝጓዓዙ ስደተኛታት ዓጊቶም ብምምላስ ድማ ናብ መዳጎኒ ማእከላት ሊብያ የእትውዎም ምህላዎም ይፍለጥ።
TMP 22/10/2019
ስእሊ፥ ኒኮላስ ኢኮኖሙ
ደሴት ሌስቦስ- 29 ጥቅምቲ 2015። ካብ ቱርኪ ዝተአገሱ ስደተኛታት ብቆራሪ ማያት ሓሊፎም ናብ ደሴት ሌስቦስ እንዳኣተው።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ