ህልቂት ልዕሊ 150 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ
ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብዘጋጠሙ ክልተ ሓደጋታት ጃልባ ክሳዕ 150 ዝበጽሑ ስደተኛታት ደሃዮም ጠፊኡ ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ተገሊጹ። እቲ ሓደጋ ኣብ’ዚ ዓመት ኣብ’ቲ ማያዊ መስመር ዛጊት ካብ ዘጋጠሙ ሓደጋታት እቲ ዝበኣሰ ሰብኣዊ ሃስያ ዝተራእየሉ ከምዝኾነ ይንገር።
“ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ካብ ሊብያ ናብ ጥልያን ተበጊስና። ድሕሪ ሓደ ሰዓት ግና እታ ዝነበርናያ ጃልባ ኽትጥሕል ጀሚራ፡ ዝበዝሑ ተሳፈርቲ ድማ ጥሒሎም፡” ይብል ሓደ ብህይወት ዝደሓነ ኤርትራዊ ስደተኛ ን ኣሶሼትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ።
እቶም ስደተኛታት ካብ ሊብያ ብመንገገዲ ማእከላይ ባሕሪ ናብ ጥልያን ዝተበገሱ ምዃኖም ዝጠቐሰ ወሃብ ቃል ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ዝኾነ ኣዩብ ቓስም፡ ነቶም ከባቢ 300 ዝኾኑ ስደተኛታት ኣሳፊረንኦም ዝነበራ ጀላቡ 120 ኪሎሜተር ካብ ገማግም ትሪፖሊ ምጥሓለን ንኣሶሼትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣረዲኡ።
ብመሰረት ሓበሬታ ትካላት ረድኤት ፡ 145 ስደተኛታት ካብ’ቲ ሓደጋ ድሕሪ ምድሓኖም ናብ ሊብያ ኽምለሱ ኸምእተገብረ ኽፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። እቶ ዝደሓኑ ስደተኛታት ኣብ’ቲ ከባቢ ብዝነበሩ ገፈፍቲ ዓሳ ድሕሪ ምርዳኦም እዮም ጸኒሖም ብ ኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ናብ’ታ ሃገር ኽምለሱ ተገይሩ።
ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ፊሊፖ ግራንዲ ብወገኑ ዝበኣሰ ሰብኣዊ ህልቂት ስደተኛታት ናይ’ዚ ዓመት ኣጋጢሙ ምህላዉ ሓቢሩ ኣሎ።
ዝበዝሑ ኻብቶም ብህይወት ዝደሓኑ ስደተኛታት ኢትዮጵያውያን ክኾኑ እንከለዉ ገለ ድማ ካብ ሱዳንን ፍልስጤምን እዮም። ብህይወት ዝደሓነት ሱዳናዊት ሳባ ዮሱፍ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃበቶም ሓበሬታ ድሕሪ’ዚ ዝኾነ ትጽበዮ ነገር ከምዘየለን ኣብ ሃገራ ኽትመዉትን ጥራይ ከምእትመርጽን ገሊጻ። ንሳ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ውሉዳ ኣብ’ቲ ሓደጋ ዝሰኣነት እያ።
ሊብያ ቀንዲ መናሃርያ ናይ’ቶም ናብ ኤውሮጳ ክበጽሑ ዝምድቡ ስደተኛታት ምዃና ይንገር። ብመሰረት ሓበሬታ ኣህጉራዊ ውድብ ስደት ማለት ኣይ.ኦ.ኤም ኣብ’ዚ ዕእመት ዛጊት ህይወት ከባቢ 700 ስደተኛታት ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ጠፊኡ ኣሎ። “ በዚ ዘለዎ ናህሪ እንተቐጺሉ ሞት ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ክበጽሕ እዩ፡” ይብል ወሃብ ቃል ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ቻርሊ ያስለይ።
ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ሊብያ ልዕሊ 6,000 ስደተኛታት ተታሒዞም ከምዘለዉን ልዕሊ 50,000 ምዝጉባት ስደተኛታት ድማ ኣብ መላእ እታ ሃገር ተዘርጊሖም ምህላዎምን እዩ ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ዝገልጽ።
TMP – 02/08/2019
ስእሊ፥ ኣሌኻንድሮ ካርኒቸሮ/ ሻተርስቶክ ኮም
ህልቂት 150 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ’ዚ ዓመት ካብ ዘጋጠሙ ሓደጋታት ዛጊት እቲ ዝበኣሰ ኾይኑ ኣሎ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ