መንግስቲ ኖርወይ ንጉዳይ’ቶም ኣብ ሃገሩ ዑቕባ ረኺቦም ንሃገራዊ ኣገልግሎት ዝጸንበሉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዳግም ክምርምር እዩ
መንግስቲ ኖርወይ ንጉዳይ 150 ኣብ ሃገሩ ዑቕባ ዝተዋህቦም ኤርትራውያን ስደተኛታት ዳግማይ ክምርምሮ ምዃኑ ተገሊጹ። እቶም ስደተኛታት ዑቕባ ንኪረኽቡ ኢሎም ሓስዮም እንተነይሮም ዑቕባኦም ናይ ምስራዝ ተኽእሎ ኪህሉ’ዩ። መንግስቲ ኖርወይ ነዚ ዝወሰነ ፡ ገለ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ’ቲ ኣብ ከተማ ኦስሎ ዝተኻየደ ዝኽሪ ብሩራዊ ኢዮቤል ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ ክጽንብሉ ስለዝተረኽቡ እዮም።
ኣብ’ቲ ናይ ወርሒ ነሓሰ ጽንብል ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ክርከብ እንከሎ፡ ተሳተፍቲ ወተሃደራዊ ኣልባሳት ለቢሶም ወተሃደራዊ ጭርሖታት ከስምዑ እዮም ተራእዮም።
ኣብ ሃገሮም ካብ ዘሎ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከምዘምለጡ ነጊሮም ኣብ ኖርወይ ዑቕባ ዝረኸቡ ኤርትራውያን ነቲ ዝሃደምሉ መንግስቲ ይድግፉ፡ ከምኡ ንሃገራዊ ኣገልግሎት ይጽንብሉ እንተሃልዮም ኣብ ኖርወይ ዘጽንሕ ጉዳይ ስለዘይብሎም ናይ ዑቕባን ነባርነትን መሰሎም ክሕከኽ ከምዝኽእል እዩ ሚኒስትሪ ፍትሒ’ታ ሃገር ገሊጹ ዘሎ።
እቲ ሚኒስትሪ ብ 6 መስከረም ኣብ ዘውጽኦ ወግዓዊ መግለጺ፡ ሓደ ስደተኛ ነቲ ጠንቂ ስደተይ እዩ ዝብሎ መንግስቲ ይድግፍ እንተሃልዩ ናይ ዑቕባን ነባርነትን መሰሉ ኣብ ኖርወይ ክሕከኽ ተኽእሎ ኣሎ ማለት ከምዝኾነ ኣስሚሩሉ ኣሎ።
ስለዝኾነ፡ ሚኒስትሪ ፍትሒ ኖርወይ ንክፍሊ ኤሚግሬሽን ሃገሩ (UDI) – ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ’ቲ ጽንብል እንተተሳቲፎም ክምርምር ትእዛዝ ሂቡ ኣሎ። ብመሰረት እቲ ዝካየድ መርመራን ካብ ማሕበረ-ኮማት ዝእከብ መርትዖታትን ድማ ኣብ ጉዳይ ምሕካኽ መሰላት ዑቕባን ነባርነትን ገለ ኤርትራውያን ስደተኛታት ውሳኔ ከንብር’ዩ።
ኣብ ኖርወይ ከባቢ 22,000 ኤርትራውያን ዝርከቡ ኮይኖም፡ ዝበዝሑ ካብዚኦም ካብ ገደብ ዘይብሉ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንምህዳም ካብ 2001 ኣትሒዞም ክኣትዉ ዝጸንሑ እዮም።
TMP 25/09/2019
ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ፕረዚደንት ዝሓየለ በዓል ስልጣን ኣብ’ቲ ኣብ ኣዳራሽ ብሪን ናይ ከተማ ኦስሎ ዝተኻየደ ጽንብል። ብጸጋሙ ዘሎ ኣብ 2009 ዑቕባ ዝተዋህቦ ኤርትራዊ ስደተኛ’ዩ።
ብኖርወጃዊት ማዕከን ዜና NRK ዝተኻፈለ ውልቃዊ ስእሊ
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ