ቀሚ ቸክ ስደተኛታት ንምዕጋት ኤውሮጳዊ ኣጠቓላሊ መደብ ስራሕ ክስራዕ ይጽውዕ
ቀዳማይ ሚኒስተር ሪፓብሊክ ቸኽ ኣንድረ ባቢሽ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንምዕጋት ኤውሮጳዊ ኣጠቓላሊ መደብ ስራሕተግባራዊ ክኽውን ጸዊዑ። ዘይሕጋዊ ዋሕዚ ስደት ኣብ ምግታእ ተግባራዊ ፍታሕ ክሳዕ ዘይተኻወነ ሃገሩ ዝኾነ ዘይሕጋዊስደተኛ ከምዘይትቕበል ዘለዋ መርገጺ ደጊሙ ዘረጋገጸ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ፡ ዶባት ኤውሮጳ ናይ ምሕላው ሓላፍነትናብ ኪዳን ኣትላንቲክ ማለት ‘ኔቶ’ ክሰጋገር ዝብል ሓሳብ’ውን ኣቕሪቡ ኣሎ።
ኣብ ጉዳይ ዘይሕጋዊ ስደት ፡ ኤውሮጳ ፡ ተሪር፡ንጹርን ዝሓበረን መልእኽቲ ክትሰድድ ከምዝግብኣ ኣትሪሩ ዘዘኻኸረቀዳማይ ሚኒስተር ባቢሽ፡ ኣህጉሩ ንሕቶ ዘይሕጋዊ ዋሕዚ ስደት ኣጠቓላሊ መልሲ ዝህብ መደብ ክትሰርዕ ከምዝግበኣኣተሓሳሲቡ።
“ብጉዳይ’ቲ ሓንቲ ኣባል ሃገር ኤውሮጳዊ ሕብረት ክንደይ ብዝሒ ስደተኛታት ክትቕበል ዝግድድ መደብ፡ ንዝሓለፉኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ክትዕ ምህውታትና፡ ኤውሮጳ ንዘይሕጋውያን ስደተኛታት ክፍትቲ ምዃና ኽንሕብር ጸኒሕናማለትዩ፡”ይብል እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር። ንሱ ወሲኹ ፡ “እቲ ግቡእ ስደተኛታት ኣብ ዓዶም ክጸንሑ፡ ንሕና ድማ ኣብ’ቲዘለዉዎ ኽንሕግዞም ምኻና ብንጹር ምሕባር እዩ፡” ኢሉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ባቢሽ ብጉዳይ ስደት ንምዝርራብ ናብ ጥልያንን ማልታን ቅድሚ ምብጋሱ፡ ንመራኸቢ ብዙሃን ሃገሩኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዝበዝሑ ናብ ኤውሮጳ ዝውሕዙ ዘለው ዘይሕጋውያ ስደተኛታት ጸጥታዊ ውሕስነት ክረኽቡ ዘይኮኑ፡ኣብተን ብቚጠባ ዝተረጋግኣን ብተዛማዲ ክፉት ናይ ስደተኛታት ፖሊሲ ዘለወንን ሃገራት ኤውሮጳ ሂወቶም ክቕይሩዝመጽኡ ጥራይ ምዃኖም ከምዝኣምን ኣረዲኡ።
60 ሚእታዊት ካብ ህዝባ ንዕጹው ፖሊሲ ስደተኛታት ዝድግፍ ከምዝኾነ ዝንገረላ ቸክ ሪፓብሊክ፡ ካብተን ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ዓመታት ዝወሓደ ብዝሒ ስደተኛታት ዝተቐበላ ኣባል ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ምዃና እዩ ዝሕበር። እታ ሃገር ምስከም ፖላንድ፡ ሃንጋሪን ስሎቫክያን ዝኣመሰላ ተላፊና ዛጊት ነቲ ኣብ 2015 ኤውሮጳዊ ሕብረት ዘሕለፎ ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ነቶም ኣብ ጥልያንን ግሪኽን ዝርከቡ ኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታት ክማቐላኦም ዝግድድ መደብ ትነጽጎ ምህላዋ’ውን ይግለጽ።
እቲ መደብ ፡ ኣባላት ሃገራት ኣብ ጥልያንን ግሪኽን ካብ ዘለው ስደተኛታት ንኣስታት 160,000 ክማቐላኦም ዝግድድ’ኳእንተነበረ፡ ክሳዕ ሕዳር 2017 ብመንገዲ እቲ መደብ ዝገዓዙ ስደተኛታት ከባቢ 32,000 ጥራይ እዮም።
TMP – 31/08/2018
ቀዳማይ ሚኒስተር ቸክ ሪፓብሊክ ኣንድረ ባቢሽ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ