140 ምብራቕ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ዝሃደሙሉ፡ ዓሰርተታት ተቐቲሎሞም

ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት 145 ኪሎሜተር ደቡብ ምዕራብ ካብ ትሪፖሊ ኣብ እትርከብ በኒ ወሊድ ብኣሰጋገርቲ ተታሒዞም ዝነበሩ ስደተኛታት ምስኣምለጡ፡ ካብኣቶም ዓሰርተታት ክኽቈስሉ ኸለዉ፡ 15 ድማ ተቐቲሎሞም።

ካብ 23 ናብ 24 ግንቦት ኣብ ዘውግሕ ለይቲ፡ ዝበዝሑ ትሕተ ዕድመ ኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያውያንን ሶማላውያንን ዝዀኑ 140 ዝበጽሑ ስደተኛታት ካብቲ ኣብ ምዕራባዊ ሸነኽ በኒ ወሊድ ዓጽይዎም ዝነበረ ምሩር ኣሰጋጋሪ ሙሳ ድያብ ኣምሊጦም።

ብመሰረት ሓበሬታ ሓካይም ብዘይዶብ እቶም ዘምለጡ ስደተኛታት፡ ኣብ መንጎ ኸተማታት በኒ ወሊድን ነስማን ተደጋጋሚ ግዜ ተሸይጦም ከምዝነበሩ ይገልጹ።

እቶም ስደተኛታት ክሃድሙ ኸለዉ ተዅሲ ስለዝስዓቦም ብዙሓት ካብኣቶም ተቐቲሎም። እንተወሓዱ 25 ካብኣቶም ናብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል በኒ ወሊድ ክውሰዱ ኸለዉ፡ ኣባላት ሓካይም ብዘይዶብ ክንክን ጌሮምሎም።

ካብቶም ዝቘሰሉ 18 ፈኲስ መውጋእቲ ዘጋጠሞም ክዀኑ ኸለዉ፡ ሾብዓተ ግና ብብርቱዕ ስለዝተወግኡ ንዝያዳ ኽንክን ኣብ ሆስፒታል ደቂሶም።

እቲ ኣብ በኒ ወሊድ ዝርከብ ሆስፒታል፡ ካልኦት 20 ብምኽትካት ዝተሃስዩ ኻብቶም ስደተኛታት ይከናኸን ከምዘሎ ይገልጽ።

እቶም ዝደሓኑ ንሓካይም ብዘይዶብ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ 15 ኸምዝሞትዎምን 40 መብዛሕትአን ደቀንስትዮ ዝርከብኦም ኣብቲ መዳጐኒ ኸምዝተረፉን ይገልጹ።

ገለ ኻብቶም ዝደሓኑ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመት ተታሒዞም ከምዝነበሩ ገሊጾም። እቲ ናይ ሓካይም ብዘይዶብ ጉጅለ፡ ኣብ ኣካላቶም ዝነበረ በሰላታት፡ ርኡይ ምልክታት ንዳድ ኤለክትሪክ፡ ነዊሕ ዝገበረ ዝረኸሰ ቝስልታት ነቲ እቶም ስደተኛታት ተታሒዞም ከለዉ ዝወረዶም ስቓይ ዘርኢ ከምዝዀነ ይገልጹ።

እቶም ዝደሓኑ ናብ ሓደ ኣብ በኒ ወሊድ ዝርከብ ውሑስ ቦታ ኽውሰዱ ኸለዉ፡ ንግሆ 24 ግንቦት ኣብ ጥቓ ትሪፖሊ ናብ ዝርከብ መዳጐኒ ማእከል ተወሲዶም።

ትሪፖሊ ኻብ ዝኣትዉ 117 ሰባት ሕክምዊ ስነኣእምሮኣውን ሓገዝ ከምኡ ድማ ማሕበራዊ ምጽጽንናዕ፡ ብተወሳኺ ድማ ደገፍ ዝኸውን ኣመጋግባ ተጌሩሎም። ስብራት ኣዕጽምትን ማህረምቲ ጥይትን ዘለዎም ብብርቱዕ ተሃስዩ 14 ኻብቶም ስደተኛታት ናብ ሆስፒታል ተላኢኾም።

ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት፡ ኣሰጋገርቲ ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ ውሽጢ ሊብያ ካብ ገማግም ባሕሪ ርሒቖም ክሳብ 20 ዝበጽሕ ሕቡእ መዳጐኒታት ከምዘካይዱ ይገልጹ።

ገንዘብ ንኽኸፍሉ ንምግዳድ ዝቕጥቀጡ ወይ ዝዕመጻ ስደተኛታት ዝተሓዙሉ ግዜ ኣብዚ እዋን ኣዝዩ ይነውሕ ከምዘሎ ሮይተርስ ይሕብር። ኣማኢት ካልኦት ብኣስለዅትን ኣሰጋገርትን ተታሒዞም ኣለዉ።

TMP – 18/06/2018

ስእሊ፡ ሓካይም ብዘይዶብ። ኣባላት ሓካይም ብዘይዶብ ንስደተኛታት እናተኸናኸኑ።