ምጥርናፍ ስድራቤት ኣብ ጀርመን ንዝርከቡ ኤርትራውያን ኣጸጋሚ ይኸውን

ኣብ ኤምባሲ ጀርመን ኣብ ኣስመራ ክፍሊ ቪዛ ስለዘየሎ፡ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ጉዳይ ቪዛ ንምጽራይ ዝወስዶ መስርሕ ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ ስለዝወስድን፡ ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ምስ ስድራቤቶም ክጥርነፉ ዝደልዩ ኤርትራውያን ኣዝዮም ከምዝጽገሙ ዶቸ ቬለ ሓቢሩ።

ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ዑቕባ ዝተዋህቦም ስደተኛታት ስድራቤቶም ክጽንበርዎም ክሓቱ ይኽእሉ እዮም። እቶም ኣብ ሃገር ዝርከቡ ስድራቤቶምውን ብወገኖም ምስ ስድራቤቶም ክጽንበሩ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ኻብቲ ቤተሰቦም ዑቕባ ዝተዋህበሉ ኣብቲ ኣብ ሃገሮም ዝርከብ ኤምባሲ ጀርመን ከመልክቱ ኣለዎም።

ቤተሰቦም ኣብ ጀርመን መዕቈቢ ዝተዋህቦ ኽጽንበሩ ዝደልዩ ኤርትራውያን ናብ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝርከብ ኤምባሲታት ከይዶም ከመልክቱ ኣለዎም።

ኣብታ ጐረቤት ሃገር ምስበጽሑ ምስ ሰብመዚ ኤምባሲ ቈጸራ ምርካብ ልዕሊ እቲ ከመልክቱሉ ዝግደዱሉ ሰለስተ ወርሒ ኽወስድ ይኽእል እዩ። ምጥርናፍ ስድራቤት ዘፍቅዱ ወይ ዝኽልክሉ እቶም ሰብመዚ ንገዛእ ርእሶም ብዝመሰሎም እዩ።

ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ሱዳንን ዝርከብ ኤምባሲታት ጀርመን 808 ናይ ኤርትራውያን መመልከቲ ምጥርናፍ ስድራቤት ክርኢ ኸሎ፡ 394 ወይ ድማ 48.8% ጥራይ ተቐባልነት ረኺቡ።

ኣባል ፓርላማ ጀርመን ኡላ የልፕከ ንዶቸ ቬለ ኣብ ዝተዛረበትሉ፡ ንምጥርናፍ ስድራቤት ዝዓግት ቀንዲ ነገር “ዝተናውሐን ዕንቅፋታት ዝፈጥርን መስርሕ ቤትጽሕፈት” ምዃኑ ትገልጽ።

“ነዞም ሰባት እዚኣቶም ምስ ስድራቤቶም ኽጥርነፉ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዀይኑ ምህላዉ የሰምብደኒ እዩ። ሰብ ዘሳቒ ጉዳይ እዩ፡” ትብል እታ ኣፈኛ ዘቤታዊ ጉዳያት ጸጋማዊ ሰልፊ።

ኣመልከትቲ ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ኽህልዎም ከምዘሎዎን መጻምድቲ ምስክር መርዓ ኽህልዎም ከምዘለዎን ይግደዱ ምዃኖም ዘይቅቡል እዩ ይብል ጸጋማዊ ሰልፊ ጀርመን።

“ፈደራላዊ መንግስቲ እዞም ሰባት እዚኣቶም ካብ ሓደ ወተሃደራዊ ምልካዊ ስርዓት ወይ ሓለፍቲ ናይ ከምዚ ዓይነት ስርዓት ከምዚ ዓይነት ወረቓቕቲ ኸውጽኡ ይግድዶም ምህላዉ ክኸውን ዘይክእል እዩ። ሰባት ናብኡ ክኸዱ ወይ ኣዝማዶም ክሰዱ ኽፈርሁ ተፈጥሮኣዊ እዩ፡” ትብል የልፕከ።

እንተዀነ እቲ ፈደራላዊ መንግስቲ እቲ ሕጊ ምኽኑይ ከምዝዀነ ብምግላጽ፡ ካብ ጸጋማዊ ሰልፊ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ “ኣብ መንጎ ካብ ሰራዊት ምህዳምን ናይ ኤርትራ ኤምባሲ ፓስፖርት ክኸልእን ዝዀነ እሉም ዝምድና የለን፡” ክብል መሊሱሉ።

እቲ ብመንግስቲ ዝቐረበ ምላሽ ነቲ መመልከቲ ምጥርናፍ ስድራቤት ክንደይ ከምዝወስድ ዝምልከት ሕቶ፥ “ገምጋም ንምውዳእ መስርሕ ዝወስድ ግዜ ክፍለጥ ኣይተኻእለን፡” ክብል ዘይንጹር መልሲ ሂቡሉ።

“ግብራዊ ተመኵሮይ ከምዘመልክቶ፡ ቅድሚ ንጹር መልሲ ምርካቦም ሰባት ንዓመታት እንተዘይኰነ ንኣዋርሕ ከምዝጽበዩ እዩ፡” ትብል የልፕከ።

እቲ ናይ መንግስቲ ምላሽ፡ ንቐዳማይ ርክብ ዝግበር ቈጸራታት ድሕሪ 6 ወርሒ ኸምዝስረዝን፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዘመልከቱሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ዋሕዲ ንቘጸራ ዝኸውን ግዜ ኸምዘሎ ኣረዲኡ።

ኣመልከትቲ ብኣካል ኣብቲ ኤምባሲ ተረኺቦም ሪጋ ንምሓዝ ስሞም ኣብ ዝርዝር ክምዝግቡ ይግደዱ። ድሕሪ እዚ እቲ ኤምባሲ በቲ መስርዕ ቈጸራታት ይውስን።

ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ጉዳይ ቪዛ ዘሳልጡ 20 ሰባት ንኤርትራውያን ስደተኛታት ጥራይ ዘኰነ ንኹሎም ኣብቲ ኤምባሲ መጺኦም ዝግልገሉ ሰባት ዝተመደቡ ምዃኖም የልፕከ ትገልጽ።

TMP – 30/06/2018

ስእሊ፦ ጀርመናውያን ንስደተኛታት ኣብ ጥቓ መዕቀሊኦም ንእሽቶ ሕርሻ ኽጅምሩ ይሕግዝዎም። 26 ግንቦት 2016.