ኣብ ጀርመን ንምጥርናፍ ስድራቤት ዝምልከት ሕጊ ይተርር
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ሆርስት ሲሆፈር ዝተረረ ሕግታት ምጥርናፍ ስድራቤት ክህሉ ይደሊ
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ጀርመን ሆርስት ሲሆፈር ሕግታት ምጥርናፍ ስድራቤት ከትርር ይደሊ ኣሎ። እዚ ነቶም ኣብታ ሃገር ዑቕባ ዝተዋህቦም ስደተኛታት ምስ ካብ ጀርመን ወጻኢ ዝነብሩ ኣባላት ስድራቤቶም ክጠራነፉ ከጸግሞም እዩ።
ብመሰረት ናብ መራኸቢ ብዙሓን ዝለሓዀ ሓበሬታ፡ ብምጥርናፍ ስድራቤት ናብ ጀርመን ክኣትዉ ዝፍቀዶም ቀረባ ኣባላት ስድራቤት እቶም ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ስደተኛታት ጥራይ እዮም።
ብመሰረት ዶቸ ቬለ፡ “ከም ኣሕዋት ዝኣመሰሉ ካልኦት ኣባላት ስድራቤት ብመሰረት እዚ ሓድሽ ሕጊ ኣብቲ ጥርናፈ ኣይኣትዉን እዮም፡” ይብል እቲ ተነዲፉ ዘሎ ሕጊ።
እዚ ተነዲፉ ዘሎ ሕጊ፡ ነቶም ብሰብኣዊ ድሕነት ጀርመን ዝጥወሩ ስደተኛታት ስድራቤቶም ናብታ ሃገር ከእትዉ ዘይፍቀደሎም ክገብሮም ይኽእል እዩ።
ብዙሓት ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ስደተኛታት ብገለ ወገን ሓገዝ መንግስቲ ስለዝቕበሉ፡ ስድራቤቶም ከምጽኡ ንዝደልዩ ኣዝዩ ዓንቃጺ ሕጊ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኣብ ሓደ መንግስታዊ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሓደ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ሚኒስትሪታት መንግስቲ ገና ብዛዕባ ዝዝትያሉ ዘለዋ ንድፊ ሕጊ ክዛረብ ከምዘይክእል ብምግላጽ ዝርዝራዊ መግለጺ ካብ ምሃብ ተቘጢቡ።
እቲ ዝተነድፈ ሕጊ ብኻልኦት ዝምለተን ሚኒስትሪታትን ብካቢነ እታ ሃገርን ተቐባልነት ምስረኸበ እዩ ንኽጸድቕ ናብ ፓርላማ እታ ሃገር ዘምርሕ።
ሆርስት ሲሆፈርን ሰልፉ ማሕበራዊ ክርስትያናዊ ሕብረት ኣብ ባቫርያን ንጉዳይ ስደተኛታት ዝምልከት ዝተረረ ሕግታት ክህሉ እዮም ክጽዕሩ ጸኒሖም።
ቀቅድሚ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ምዃኑ ቕድሚ ወርሒ፡ ሲሆፈር ኣንጻር ዝተፈርዱ ገበነኛታት ስደተኛታት ተሪር መርገጺ ኽወስድ ምዃኑን ሕቶ ዑቕባ ንዝተነጽጎም ስደተኛታት ናይ ምፍናው መስርሕ ከቃላጥፍ ምዃኑን ቃል ኣትዩ ኔሩ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ