ስደተኛታት ካብ ሓደ ናይ ፓሪስ ዩኒቨርሲቲ ይስጐጉ

ከም ክፋል ናይቲ ካብ ርእሰኸተማ ፈረንሳ ስደተኛታት ንምጽራይ ዝተበገሰ መደብ፡ ፖሊስ ፈረንሳ ኣብ ሓንቲ ናይ ፓሪስ ዩኒቨርሲቲ ካብ ጥሪ ኣትሒዞም ሓደ ኻብቲ ህንጻታት ሒዞም ዝቕመጡ ዝነበሩ 200 ዝበጽሑ ስደተኛታት ኣውጺኦም።

እቲ ናይ ምጽራይ ስርሒት ብጠለብ እታ ምስፋር እቶም ስደተኛታት ነቲ ዩኒቨርሲቲ ናይ 800,000 ዩሮ ኽሳራ ኸምዘስዓበሉ እትገልጽ ሓላፊት ዩኒቨርሲቲ ፓሪስ-8 ዝዀነት ኣኒክ ኣሌግር ዝተኻየደ ዀይኑ፡ እቶም ስደተኛታት ጐነጽ ይፍጽሙን ይሰርቁን ምዃኖም ትኸሶም።

“ብጠለብ ፕረሲደንት ዩኒቨርሲቲ ፓሪስ-8፡ ምምሕዳር ሰን-ሳን-ደኒ ነቲ ካብ ጥሪ 30 ንነጀው ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ተቐማጦ ኣትዮሞ ዘለዉ ቦታታት ናጻ ኽገብር ንፖሊስ ስልጣን ሂቡዎ ኣሎ፡” ይብል ብፖሊስ ዝተዋህበ መግለጺ።

“ናይ መንግስቲ ኣገልግሎታት 194 ስደተኛታት ኦኡቕባ ኽወሃቡ ወሲደንኦም ኣለዋ፡” ይውስኽ እቲ ቓል። ካልኦት 160 “ዘይሕጋውያን ተቐማጦ እቲ ህንጻታት ውን ከምዝለቁ ተጌሩ እዩ።”

ሰብዓ ዝበጽሑ ስደተኛታት ብዛዕባ እቲ ኽካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ስርሒት ዝፈለጡ ተንቀሳቕስትን ተማሃሮ እቲ ዩኒቨርሲቲን ነቶም ፖሊስ መገዲ ዓጊቶም ክኽልክልዎም ስለዝተዳለዉ ፖሊስ ዘንብዕ ጋዝ ተጠቒሞም እዮም ናብቲ ህንጻ ኣትዮም።

እቶም ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃን ካብ ከም ኤርትራን ሱዳንን ዝኣመሰላ ምብራቕ ኣፍሪቃውያን ሃገራትን ዝመጹ ስደተኛታት ኣብ ጐደናታት ፓሪስ ክነብሩ ጸኒሖም እዮም ነቲ ህንጻ ኣትዮሞ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ዓሰርተታት ኣብ እታ ኸተማ ብትሕቲ ድልድላት ዓበይቲ ጽርግያታት፡ ትሕቲ በረኽቲ መስመራት ባቡር ከምኡውን ኣብ ገማግም መትረባት እታ ኸተማ በቚሎም ዝነበሩ ግዝያዊ ሰፈራታት ብፖሊስ ተኣኣልዮም እዮም።

ገለ ኻብቶም ስደተኛታት ኣብ 2016 ጫካ ካሌ ብመንግስቲ ምስጸረየ እዮም ናብ ፓሪስ መጺኦም።

TMP – 27/07/2018

ፓሪስ፡ 5 ግንቦት 2017። መንበሪ ዘይብሉ ኣብ ናይ ከተማ ሰፈር ዝቕመጥ ስደተኛ ስኑ ይምውጽ።