ፖሊስ ኣብ ፓሪስ ጥቓ ዝርከብ መትረብ ዝቕመጡ ዝነበሩ ስደተኛታት ይኣልዩ

ብመሰረት ትእዛዝ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ፡ ፖሊስ ኣብ ገማግም መትረባት ፓሪስ ንዘጽለሉ 2,300 ስደተኛታት ክኣልይዎም ይዳለዉ ኣለዉ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ ዠራር ኮሎም፡ “ተቐማጦ ፓሪስ ካብዚ ንላዕሊ ኽጻወርዎ ዘይክእሉ” “ምትንካይ ሰብኣዊ መሰላት፡” ስለዘስዓበ፡ ከተማ ፓሪስ ነቲ ኣብ ገማግም መትረባት እታ ኸተማ ዘስፋሕፍሐ ዘይስሩዕ መጽለሊ ስደተኛታት ክትኣልዮ ኣዚዙ።

መብዛሕትኦም ሱዳናውያን፡ ኤርትራውያንን ኣፍጋኒስታናውያንን ዝዀኑ ስደተኛታት ኣብ ገማግም ሓደ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ፓሪስ ኣብ ጐድኒ ሓደ ናይ ዕዳጋ፡ ባንክታትን ካልእ ትካላትን ጽዑቕ ናይ ስራሕ ከባቢ፥ ንጥዕና ክዀኖም ዝጐዩን ብሽክልተታት ዝዝውሩን ተቐማጦ እታ ኸተማ ጥቓ ዘዘውትርዎ መትረብ ድንኳናት ፕላስቲክ ክተኽሉ ጸኒሖም።

ሓደ ኣፍጋኒስታናዊ እታ ኻልኣዩ ድማ ሱዳናዊ ወይ ሶማላዊ ክኸውን ኸምዝኽእል ዝተገመቱ ስደተኛታት ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ኣብቲ መትረብ ጥሒሎም ሞይቶም እዮም። ክቡር ንብረትን ገንዘብን ንምምንጣል ዝተበገሰ ባእስታት ክሳዕ ኣካላዊ መጕዳእቲ ስለዘብጽሐ ሰብ መዚ ስጕምቲ ኽወስዱ ጸቕጢ ዀይንዎም እዩ።

ኣብ ፈለማ እዚ ወርሒ፡ ከንቲባ ፓሪስ ኣን ሂዳልጎ፡ መንግስቲ ነቶም ኣብ ጐደናታት እታ ከተማ ኣብ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘይሰብኣዊ ኹነታት ዝነብሩ ስደተኛታት ፍታሕ ክረኽበሎም ተማሕጺና ኔራ።

መንግስቲ እታ ሃገር ግና ከም መልሲ እታ ኸንቲባ ነቶም ስደተኛታት ክትሰጎም ከምዝግብኣ ገሊጹ። ኮሎም፡ ፖሊስ ቀልጢፎም መልቀቒ መደብ ከዳልዉ ኽእዝዝ ከሎ፡ መዕቀሊ ኽረኽቡሎም ጥራይ ዘይኰነ፡ ምምሕዳራዊ ቍጽጽራትውን ክገብሩ ኸምዝዀነ ብምግላጽ፡ ሂዳልጎ ነቶም ጉጅለ ስደተኛታ ትክትኣሊ ፍቓደኛ ብዘይምንባራ ዝተሰምዖ “ቕሬታ” ገሊጹ።

እቲ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት፡ “ተራ ኸተማ ፓሪስ ኣብ ምድላው እዚ ስርሒት እዚ ኣገዳሲ ክኸውን እዩ፡ መኽንያቱ እቲ ዘይሕጋዊ መጽለሊ ከምብሓድሽ እንተቘይሙ፡” እቲ ዝተሰርሐ ኹሉ “ንኸንቱ እዩ ማለት’ዩ” ይብል። “ናይ ከባቢኡ ሰብመዚ እቲ መጽለሊ ካልኣይ ግዜ ኸይቀውም ዝኽልክል ስጕምቲ እንተዘይወሲዶም፡ እዚ ኣጋጢሙ ዝጸንሐ ንዘይተወሰነ ግዜ ኽደጋገም ክነብር እዩ፡” ድማ ይብል።

ኮሎም፡ እቲ ስርሒት ምልቃቕ ንፈረንሳ፡ “እቶም ዑቕባ ዝምልከቶም ምቕባሎም ዘኽእል፡” ከምኡ ድማ “ነቶም ኣብ መሬት ፈረንሳ ኽጸንሑ ዘይግብኦም ንምእላይ” ዘኽእል ዕድል ምዃኑ ይገልጽ።

እቲ ምልቃቕ ካብቲ ኣብ ክረምቲ 2015 28,000 ዝተሰጉሉ ክሳብ ሕጂ ኣብ ፓሪስ መበል 35 ስርሒት እዩ።

ወዲ 24 ዓመት ዓብዱልጀባር ንሽዱሽተ ወርሒ ዝኣክል ካብ ኣፍጋኒስታን ናብ ፓኪስታን፡ ኢራን፡ ቱርኪ፡ ቡልጋርያ፡ ሰርብያ ሓሊፉ፡ ኣብ ሳልሳይ ሰሙን ግንቦት ፈረንሳ በጺሑ። “ሕማቕ’ዩ ኣብዚ። ዓራት የብለይ፡ መግቢ የብለይ፡ ዝሕጸበሉ ማይ የብለይ፡ ለይቲ ኸኣ ቐዝሒ’ዩ፡” ይብል ስድራቤቱ ክስደድ ከምዘተባብዕዎ ድሕሪ ምግላጽ።

TMP – 17/06/2018

ኣብ ጥቓ ጽርግያ ኣብ ሰሜናዊ ፓሪስ ዝተተኽሉ ድንኳናት፡ 5 ግንቦት 2017።