ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘይሕጋዊ ዋሕዚ ስደትን ሽበራን ንምቅላስ ሓባራዊ ናይ ዶብ ሓይሊ ከቊማ

ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ዘዳውበን መስመራት ንዝረኣዩ ንጥፈታት ግብረ-ሽበራን ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ንግድን ደቅ-ሰብ ንምቅላስ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ሓይሊ ከቚማ ተሰማሚዐን ። ብተወሳኺ፡ እተን ክልተ ሃገራት ኣብ ምቅላስ እቶም ዘይሕጋውያን ንጥፈታት ዝዓለመ ናይ ምውህሃድ መደብ ከተግብራ ተረዳዲአን ኣለዋ።

እቲ ስምምዕ፡ ወተሃደራውያ ኮሚሽነራት ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ፈለማ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ከተማ ካርቱም ተራኺቦም ድሕሪ ምምይያጦም እዩ ወግዓውነት ለቢሱ። በቲ ስምምዕ መሰረት፡ ክልቲኣተን ሃገራት ክሳዕ ዝመጽእ ወርሒ ታሕሳስ ፡ ኣብ ዶባት ዘሎ ሰራዊተን ብሓባራዊ ሓይሊ ኽትክእኦ እየን።

እቲ ስምምዕ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘይሕጋዊ ዋሕዚ ስደተን ሰግረ-ዶባዊ ገበናትን ንምምካት ብሃገራት እቲ ዞባ ዝውሰዱ ዘለው ተመሳሰልቲ ሓባራዊ ተበግሶታት ከምዝኾነ እዩ ዝሕበር።

“ኣብ ሞንጎ ክልትኤ ሃገራት ዘሎ ምቅርራብ ዘልኣለማዊ፡ ኣብ ሞንጎ ሰራዊተን ዘሎ ዝምድና ኸኣ ታሪኻዊ’ዩ፡” ዝበለ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ኸማል ዓብደል-ማዕሩፍ፡ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ሓባራዊ ዶባት ንዝኽሰት ኩሉዓይነታዊ ጸገማት ንምብዳህ ላዕለዎት ርክባት ክውን ኽገብራ ምጽንሐን ኣረዲኡ።

እቲ ሱዳናዊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ወሲኹ፡ እቲ ዝቐውም ሓባራዊ ሓይሊ ሽበራውያን ኣብ ምድቓቕ ፡ ዶባት እንዳሰሎዂ ካብን ናብን እተን ሃገራት ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ወገናት ኣብ ምዕጋት፡ ከምኡ’ድማ ዘይሕጋዊ ዋሕዚ ስደትን ንጥፈታት ንግዲ ደቅ-ሰብን ኣብ ምግታእ ኽወፍር ምዃኑ ኣብሪሁ።

ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ሰዓረ ሞኮንን ብወገኑ፡ እቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ኣብ ምቅላስ ጸጥታዊ ስግኣታትን ስግረ-ዶባዊ ገበናትን ልዑል ሓገዝ ከምዝህልዎ ኣስሚሩሉ።

እዚ ሓባራዊ ሓይሊ’ዚ ጸጥታ ዶባት ብዝለዓለ ዘውሕስን፡ ኣብ ምርግጋእ እዚ ዞባ ድማ ዝተሓጋገዝን’ዩ” ይብል ጀነራል ሰዓረ።

ጸጥታ ዶባት ኣብ ምውሓስ ፡ ሱዳን ምስ ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት እውን ኣብ ተመሳሰልቲ ስምምዓት ክትዓልብ ምጽናሓ ይንገር። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ናይ’ዚ ዓመት፡ እታ ሃገር ምስ ሊብያ፡ጫድን ኒጀርን ብጉዳይ ምክትታልን ምውሓስን ሓባራዊ ዶብ ኣብ ሓደ መርሓ ምብጻሓ ይፍለጥ። እቲ ኣብ ርእሰ-ከተማ ጫድ፡ ኝጃሚና ዝተኸተመ መርሓ፡ ኣብ ሓባራዊ ዶብ ሓባራዊ ናይ ኮለላ ሓይሊ ምቛም፡ ሓበሬታ ብቐጻሊ ምልውዋጥ፡ ሓባራዊ ስርሒታት ዝምረሓሉ ማእከል ምዱኳን፡ ከምኡ ድማ ኣብ ሓባራዊ ዶብ ልምዕታዊ መደባት ምትግባር ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ብዕቱብ ንምስራሕ ዝዓለመ መርሓ እዩ።

TMP – 09/09/2018

ሓባራዊ መልጎም ሰንደቕ-ዕላማ ሱዳን-ኢትዮጵያ። ስእሊ/ www.crossed-flag-pins.com/