“ሕሱም ትጽቢት” ናይቶም ኣብ ዝተዓግተት ናይ ድሕነት መርከብ ዝጸንሑ ስደተኛታት ፍታሕ ረኺቡ

መንግስቲ ማልታ እታ ኣብ ማእከላይ ሸነኽ ማእከላይ ባሕሪ 356 ስደተኛታት ሒዛ ናብ ገማግም ኤሮጳ ኸይትጽጋዕ ተኸልኪላ ዝጸንሐት ናይ ድሕነት መርከብ ኣብ ወደብ ሃገሩ ኸተዕርፍን ነቶም ስደተኛታት ኸተራግፍን ፈቒዳ። እታ ሃገር ነዚ ዘፍቀደተ፡ ሽዱሽተ ኣባላት ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ነቶም ስደተኛታት ተማቒለን ከዕቚብኦም ድሕሪ ምስምማዐን እዩ።

ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ኣየርላንድ፡ ላግዘንበርግ፡ ፖርቱጋልን ሮማንያን ነቶም ዝደሓኑ ስደተኛታት ክቕበላ ዝተሰማማዓ ሃገራት ኮይነን ኣለዋ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ማልታ ጆሴፍ ሙስካ 23 ነሓሰ ኣብ ትዌተር ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ ሃገሩ ነቶም ዝደሓኑ ስደተኛታት ናብ መሬታ ኸምዝኣትዉ ገይራ ሻቡ ናብ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ኣየርላንድ፡ ላግዘንበርግ፡ ፖርቱጋልን ሮማንያን ከተረክቦም ምዃናን፡ ኣብ ማልታ ዝተርፍ ስደተኛ ከምዘየለን ኣረዲኡ።

ፍረንሳ 150 ካብቶም ስደተኛታት ኽትቅበል ምዃና ብመንገዲ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ክሪስቶፍ ካስታነር ኣፍሊጣ ኣላ።

ማልታ ነዚ ስጒምቲ ዝወሰደት ነታ ተዓጊታ ዝነበረት ኦሽያን ቫይኪንእትጽዋዕ ናይ ድሕነት መርከብ ዘካይዳ ክልተ ፈረንሳውያን ትካላት ግብረሰናይ፡ ኩነታት ናይቶም ኣብ መርከብ ዘለዉ ስደተኛታት ይብእስን  መግብን ካልኦት ጠለባትን ይጽንቀቕ ምህላዉን ድሕሪ ምግላጸን እዩ።

እታ መርከብ ዶክተራት ብዘይዶብን ኤስኦኤስመዲተራኒን ብዝተባህላ ክልተ ፈረንሳውያን ትካላት ግብረሰናይ እትውነን ኮይና ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ንሰሙናት እያ ተዓጊታ ጸኒሓ። እተን ፈረንሳውያን ትካላት ምስ ካልኦት ኣካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምዃንውን ኣብ ናይ ድሕነት መርከብ ዝርከቡ ስደተኛታት ናብ ሊብያ ኽምለሱ ኸይግበር ብቐጻሊ ኽጣበቓ ጸኒሐን እየን።

ጉዳይዞም ከቢድ ሽግር ገጢምዎም ዝጸንሐ 356 ስደተኛታት ፍታሕ ብምርካቡ ሩፍታ ተሰሚዑና። ብህይወት ንዝደሓኑ ስደተኛታት ናብ መሬት ከይዓልቡ ንሰሙና ኸተጸብዮም የድሊ ነይሩ፧ እዞም ሰባት ኣብ ሃገሮም ካብ ዘሎ ጸገማት ዝሃደሙን ኣብ ሊብያ ሓያለ ጸገማት ዝገጠሞምን እዮም፥ይብል ኣወሃሃዲ ፕሮጀክት ዶክተራት ብዘይዶብ ኣብ መርከብ ኦሽያን ቫይኪን ዝኾነ ኣቶ ጀይ በርገር።

መንግስታት ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ባሕሪ ንዝደሓኑ ስደተኛታት ብቕልጡፍ ዝቕበሉሎም መንገዲታት ከውሕሱ እዩ ኣቶ በርገር ዝምሕጸን።

ነቲ ልዕሊ 2 ሰሙን ዝወሰደ ምዕጋት እታ ናይ ድሕነት መርከብዘይተደልየ ሕሰምኣብ ልዕሊቶም ስደተኛታት ከምዘስዓበ ዝጠቐሰ ትካል ረድኤት ኤስኦኤስመዲተራኒ ብወገኑ፡ እዚ ተርእዮ ዳግማይ ክኽሰት ከምዘይብሉ ኣትሪሩ ጸዊዑ።

ኣቐዲሙውን ብተመሳሳሊ ሓንቲ ብስፓኛዊት ትካል ግብረሰናይ እትውነንኦፐን ኣርምስዝስማ ናይ መድሕን መርከብ ምስ ዘድሓነቶም ስደተኛታት ንልዕሊ 20 መዓልታት ተዓጊታ ምንባራ ይዝከር። ኩነታት ጥዕና ዝበዝሑ ናይቶም ስደተኛታት ኽብእስ ስለዝጀመረ ግና በብመድረኹ ናብ ዓዲጥልያን ብምግዓዝ ናብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ንስዳዶም ይስራሕ ኣሎ።

TMP – 30/08/2019

ስእሊ ዶክተራት ብዘይዶብ/ ሃናሃ ዋላስ

እቶም ዝደሓኑ ስደተኛታት ኣብ ዝተዓግተት መርከብ ኦሽያን ቫይኪን።