ኢጣልያዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ስደተኛታት ብዛዕባ ምዕጋት ክዛረብ ሊብያ ይበጽሕ
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ማቴዮ ሳልቪኒ ምስ መራሕቲ ሊብያ ኣብ ትሪፖሊ ድሕሪ ምርኻቡ ኣብ ደቡባዊ ዶባት ሊብያ ማእከላት መቐበሊ ስደተኛታት ክትከል ኣሚሙ።
“ብሓሙስ [28 ሰነ] ኣብ ብራስለስ፡ ብሓባር ምስ መንግስቲ ሊብያ ዄንና፡ ኣብ ደጋዊ ዶባት ሊብያ፡ ንሊብያ፡ ከምኡ ድማ ንኢጣልያ ስደት ክዓግታ ዝሕግዘን መቐበልን መለለዪን ማእከላት ክትከል ክንድግፍ ኢና፡” ክብል ኣብ ትሪፖሊ ብዛዕባ እቲ ዝመጽእ ዘሎ ኣብ ስደት ዘተኰረ ኣኼባ ሕብረት ኢውሮጳ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጹ።
እንተዀነ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ሊብያ ኣሕመድ ማዕጡቕ ሃገሩ ኣብ ውሽጢ ዶባታ ከምዚ ዝኣመሰለ መዓስከራት ከምዘይተአንግድ ጸቒጡ ገሊጹ። ምስ ሳልቪኒ ሓቢሩ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ “ኣብ ሊብያ ንስደተኛታት ዝኸውን መዓስከራት ምትካል ብመትከል ኢና እንነጽጎ፡” ኢሉ። “ሕጊ ሊብያ ኣየፍቅድን እዩ… እቲ መደብ ናይ ሊብያ ክኸውን ኣለዎ፡ ተሳታፍነት ኤውሮጳውያን ሃገራት ድማ ኣብቲ ናይ ሊብያ መደብ ዝኣቱ ክኸውን ኣለዎ፡” ይውስኽ ማዕጡቕ።
ሳልቪኒ ንሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ብስርሖም ኣመስጊንዎም። ወሲኹ ድማ “ንመንግስትታት ተኪኦም ንዘይሕጋውያን ስደተኛታት ክሕግዙ ንዝደልዩ ማሕበራት ንምኽልካል” ማያት ሊብያ ዝሕሉ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ክኸውን ከምዝግብኦ ሓቢሩ።
እዚ በቲ ኣባል ሓድሽ መንግስቲ ኢጣልያን መራሒ ጸረ-ስደተኛታት ዝዀነ ሰልፊ ሰልፊ ማሕበር ወኪሉ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ክኸውን ካብ ዝምዘዝ ዝተኻየደ ናይ ፈለማ ምብጻሕ ስግርባሕሪ እዩ።
ኣብ ፈለማ ሰነ ሳልቪኒ 630 ሰባት ዝጸዓነት ጃልባ ኣብ ወደባት ኢጣልያ ካብ ምዕራፍ ከልኪሉ። እታ ጃልባ ብማልጣ ውን ዝተነጽገት ኰይና ክሳብ ስጳኛ ነቶም ስደተኛታት ክትቅበሎም ፍቓደኛ እትኸውን ኣብ ባሕሪ ኽጽበዩ ቐንዮም።
ኢጣልያን ማልጣን ድሕሪ ቑሩብ ግዜ ንሓንቲ 234 ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ምዕራፍ ብምኽልካል እታ ናይ ማሕበር ላይፍላይን ጃልባ ንሓያሎ መዓልታት ኣብ ባሕሪ ኽትጽበ ቐንያ።
“ኤውሮጳ እዛ ኣብ ማያት ማልጣ እተንሳፍፍ ዘላ ጃልባ ኸምዘላ ውን ትዝክር እንተዀይና ዘዕርፋ ወደብ ትረክብ እንተዀይና ኽንርኢ ኢና፤ ንሕና ድማ ኸኣ ኽንደግመልኩም ኢና፥ ናይ ኢጣልያ ወደብ ኣይኰነን ከዕርፋ፡” ኢሉ ሳልቪኒ።
ሳልቪኒ ንዘይኢጣልያውያን ማሕበራት ምድሓን ህይወት ጸገም ከምዝፈጥራ ብምኽሳስ ኣብ ማያት ሊብያ ስደተኛታት ምድሓን ከቋርጻ ብምሕባር፡ ወደባት ኢጣልያ “ነቶም ንኣሰጋገርቲ ሰባት ዝተሓባበርዎም” ዕጹው ምዃኑ ገሊጹ።
ሳልቪኒ ብስጳኛን ፈረንሳን ንዝቐረበሉ ሓተትቲ ዑቕባ ክሳብ ጉዳዮም ዝጻረ ኣብ ዕጹው ማእከላት ክጸንሑ ዝብል ጻውዒት ነጺግዎ።
“መቐበሊ ማእከላት ኣብ ኢጣልያ፧ ነዚ ሓደገኛ ማዕበላት (ስደተኛታት) ክዓግቶ ስለዘይክእል ንዓና ይኹን ንሊብያ ባዕላ ጸገም ክኸውን እዩ። ትሪፖሊ ከም ኢጣልያ መንቈርቆር ስደተኛታት ከይትኸውን ምእንቲ ካብ ሊብያ ንደቡብ መቐበሊ ማእከላት ክትከል ኣሚምና ኣለና፡” ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
“እቲ እንኮ ንገበናዊ ረብሓታት ኣስገርትን ምዕንቃፍን ነቲ ጉዕዞታት ሞት ደው ምባልን ዘኽእል መገዲ ነተን ጃላቡ ናብ ባሕሪ ኸይተበገሳ ምዕጋተን ጥራይ እዩ፡” ክብል ኣብ ካልእ መግለጺ ሓቢሩ።
TMP – 02/08/2018
ንሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ሰሜናዊ ማሕበርን መራሒኡ ማቴዮ ሳልቪኒን ንምድጋፍ ኣብ ሚላኖ፡ ኢጣልያ ብ24 ለካቲት 2018 ዝተኻየደ ሰልፊ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ