ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ሽሕ ዝዀኑ ስደተኛታት መሊሱ

ሽሕ ኣቢሎም ዝዀኑ ስደተኛታት ብ24 ሰነ ብሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ኽድሕኑ ኸለዉ፡ 10 ሬሳታት ከምዝተረኽበ፡ ኣዣንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሩ።

እቶም 948 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ጥቓ ገማግም ቓራቡሊ ምብራቕ ካብ ትሪፖሊ እዮም ኣብ ሰልሰተ ተነፋሕቲ ጃላቡ ከንሳፍፉ ምስተረኽቡ ብሰለስተ ዝተፈላለየ ስርሒታት ድሒኖም።

ሓድሽ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ማቴዮ ሳልቪኒ ኣብቲ መዓልቲ ድሕሪ እቲ ፍጻመ ንሰብመዚ ሊብያ ነቶም ስደተኛታት ብምድሓኖም ኣመስጊንዎም።

“ከም ሚኒስተርን ከም ወላድን ንመንግስቲ ሊብያ ካብ ልበይ ዝተሰምዓኒ ምስጋና ኽገልጸሎም እፈቱ፡” ብምባል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

ወሲኹ፡ “ሎሚ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ 820 ስደተኛታት ኣድሒኖም ናብ ሊብያ ብምምላስ ንስራሕ ኣሰጋገርቲ ኣፍሺሎም ንዘይግቡእ ምትእትታው መራኽብ ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ኣወጊዶም፡” ኢሉ።

እቲ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ዘውጽኦ መግለጺ ሳልቪኒ ብዛዕባ ስደት ክዛተ ናብ ሊብያ ኣብ ዝጕዓዘሉ ዝነበረ እዋን እዩ።

“ሰብ መዚ ሊብያ፡ ብዘይዕንቅፋት እተን በላዕተኛታት ዝዀና ዘይመንግስታውያን ማሕበራት፡ ነቲ ኽገብርዎ ዝጸንሑ ናይ ምድሓንን ምምላስ ስደተኛታት ናብ ሃገሮምን ስራሕ ይስርሑ፡” ኢሉ።

ብሰነ ሓንቲ 630 ሰባት ዝሓዘት ጃልባ ምድሓን ህይወት ካብ ወደባት ኢጣልያ ስለዝኸልከለ ኣብ ማኸናት ዜና ኣዛሪቡ ኔሩ። እታ ጃልባ ብማልጣ ውን ስለዝተነጽገት ክሳዕ እቲ ስጳኛ ዑቕባ ነቶም ስደተኛታት እትቕበሎም ኣብ ባሕሪ ኽትጽበ ቐንያ።

ኢጣልያን ማልጣን ድሕሪ ሓጺር ግዜ 234 ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ዓጊተን። እታ ብጀርመናዊት ማሕበር ምድሓን ህይወት ሚሽን ላይፍላይን እትካየድ መርከብ ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ ኢጣልያን ማልጣን ዝነበረ ምውጣጥ ንመዓልታት ኣብ ባሕሪ ቐንያ።

ሳልቪኒ፡ ናብ ሃገሩ ኽበጽሑ ዝደልዩ ስደተኛታት፡ “ንኢጣልያ ኣብ ካርቶሊና ጥራይ እዮም ክርእይዋ፡” ኢሉ። እቲ ኢጣልያዊ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ትእዛዝ ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ጥሒሳ ኣብ ማያት ሊብያ ነቶም ስደተኛታት ከምዝጸዓነቶም ገሊጹ።

ብሰነ 26፡ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝተኻየደ ህጹጽ ዝርርብ ነቶም ስደተኛታት ምቕባል ክማቐላ ፍቓደኛታት ምስኰና ማልጣ ነታ ጃልባ ኣብ ወደባ ኸተዕርፍ ኣፍቂዳትላ።

እታ ቐዳመይቲ መርከብ ናብ ስጳኛ ምስኣምርሐት ዓወት ኣዊጁ ዝነበረ ሳልቪኒ፡ ማልጣ ነታ ኻልኣይቲ ጃልባ ኽትቅበላ ፍቓደኛ ምስኰነት፡ “ብሓቂ ኻብ ኲናት ንዘምልጡ ኣንስትን ህጻናትን ማዕጾና ኽፉት እዩ፡ ንኻልኦት ግን ኣይፋሉን!” ኢሉ።

TMP – 28/07/2018

ስእሊ፦ ሚሽን ላይፍላይን / ትዊተር። ጃልባ ጀርመናዊት ማሕበር ምድሓን ህይወት ሚሽን ላይፍላይን ኣብ ባሕሪ።