ጥልያን ኣብ ምሕዋይ መሰረታውያን ጠንቅታት ዘይስሩዕ ስደት ኽትተሓጋገዝ ኬንያ ጸዊዓ
መንግስቲ ጥልያን ዘይስሩዕ ዋሕዚ ስደት ንምግታእ ኣብ ዝገብሮም ጻዕርታት ኣድህቦኡ ናብ’ቶም መሰረታውያን ጠንቅጥታት እቲ ክስተት ከዕዝዝ ኬንያ ጸዊዓ። እታ ሃገር ነዚ ዝጸውዐት ኣብቲ ብ 25 ጥቅምቲ ናይ’ዚ ዓመት ኣብ ከተማ ሮማ ዝተቓንዐ ዋዕላ ሚኒስተራት ሃገራት ኣፍሪቃን ጥልያንን እዩ። ጸሓፊ ምምሕዳር ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኬንያ ኣቶ ኣባቡ ናምዋምባ ኣብ’ቲ ዋዕላ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መንግስቲ ጥልያን ነቶም ኣፍሪቃውያን መንእሰያት ዘይውሑስ ስደት ብማያት ማእከላይ ባሕሪ ክመርጹ ዝድፍኡ ዘለዉ ጠንቅታት ኣብ ምግታእ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ብሓባር ክሰርሕ ጸዊዑ።
ጥልያን ተወሳኺ ኣፍሪቃዊ ፍርያት ናብ ሃገራ ክኣቱ እንተገይራን ኣብ ምሕያል ሰላምን ጸጥታን ኣህጉር ኣፍሪቃ እንተተደጋጊፋ ፡ ነቲ ኣብ’ታ ኣህጉር ንመንእሰያት ዘሳድድ ዘሎ ጸቕቲ ክዘልቕ ልዑል ተኽእሎ ከምዘሎ’ዩ እቲ ኬንያዊ በዓል ስልጣን ኣብ’ቲ ካብ 46 ሃገራት ኣፍሪቃን፡ 13 ኣህጉራውያን ኣካላትን ንዝመጽኡ ልዕሊ 350 ወከልቲ ዝተሳተፍዎ ዋዕላ ኣዘኻኺሩ።
ኣብ ሞንጎ ኢውሮጳን ኣፍሪቃን ዝፍጠር ኩሉዓይነታዊ ምትሕግጋዛት ነቲ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ንዝዓበየ ቊጠባዊ ዕብየት ክድርኽ ዝኽእል ህላወ ልዑል ቊጽሪ መንእሰያት ተወሳኺ ሓይሊ ክፈጥሩ ከምዝኽእሉ ዝጠቐሰ እቲ ኬንያዊ፥ “ዝርከብ ሓባራዊ ሃብቲ ብሓባር ምስእንካፈሎ ጥራይ’ዩ ዓለማዊ ርግኣት ዝወሓስ፡” ኢሉ።
ካብ ሃገራት ኤውሮጳ ፡ ጥልያን፡ ግሪኽን ስጳኛን እተን ዝበዝሑ ስደተኛታት ዝኣትውወን ሃገራት ኮይነን ይቕጽላ ከምዘለዋ’ዩ ዝግለጽ። ኣብ 2018 ጥራይ ዛጊት ልዕሊ 22,000 ስደተኛታት ብመንገዲ ማእከላይ ባሕሪ ናብ ጥልያን ኣትዮም። ነዚ ልዑልን ቀጻሊን ዋሕዚ ክጻወር ዘይክእል ዘሎ መንግስቲ ጥልያን ድማ ከም ግብረ መልሲ ወደባቱ ነተን ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ንዝወደቚ ስደተኛታት ዘድሕና መራኽብ ኽዓጹን ፡ ንኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ልዑል ሓገዝ ብምግባር ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ተዓጊቶም ከምዝምለሱ ኽገብርን ይረአ ኣሎ።
ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያትን ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝን ጥልያን ኣቶ ኤንዞ ሞኣቨሮ ሚላነሲ ብወገኑ እቲ ዋዕላ ኣብ ሞንጎ ኣህጉር ኣፍሪቃን ሃገሩን ክሕይል ንዝድለ ምቅርራብ ዘተርንዑ ዝርርባት ከምዘውሕስ ጠቒሱ፥ ኣብ ሞንጎ ኽልቲኡ ወገናት ዝጸንሐ ታሪኻውን ስትራተጂካውን ዝምድና ንዘለዉ ብድሆታት ኣብ ምቅላስን ንዝመጹ ዕድላት ኣብ ምዕባይን ልዑል ተራ ከምዘለዎ ኣስሚሩሉ።
ጥልያን ነቲ ጠንቂ ስደት ኣፍሪቃውያን ዝኸውን ዘሎ ድዂም ቊጠባ እታ ኣህጉር ንምሕያል ብዓቕማ ቀጻሊ ጻዕርታት ተካይድ ምህላዋ እዩ ዝንገር። ኣብ ቀረባ እዋን እታ ሃገር ኣብ ምምዕባል ጽላታት ሕርሻ፡ ዓሳን ንግድን ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃ ዝውዕል ናይ ከባቢ ሓደ ቢልዮን ኤሮ ወፍሪ ወጢና ከምዘላ ምግላጻ ይዝከር። ብዘካ’ዚ እታ ሃገር ዘይስሩዕ ዋሕዚ ስደት ኣፍሪቃውያን ንምግታእ ናብ ማዕከን ኣፍሪቃ ቀጻሊ ገንዘባዊ ሓገዝ ትገብር ኣላ።
TMP – 23/11/2018
ስእሊ፥ ጀን ዋትሶን/ ሻተርስቶክ። ምዕራባዊ ኬንያ ኣብ ዝርከብ ሰፊሕ ሕርሻ ቆጽሊ ሻሂ ዝተዋፈራ ደቀንስትዮ። ቆጽሊ ሻሂ ካብ ዓበይቲ ፍርያት ሰደድ ኬንያ እዩ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ