ኣምባሳደር ሰላም ዩኒሴፍ ንዕድላት ትምህርቲ ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ መጒሳ
ኣምባሳደር ሰላም ዩኒሴፍ ዝኾነት ህብብቲ ህንዳዊት ተዋሳኢት ፕርያንካ ቾፕራ ዮናስ ምስፋሕ ዕድላት ትምህርቲ ንቆልዑ ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ንምትብባዕ ኣብ ዝገበረቶ ናይ ሓደ ሰሙን ምብጻሕ ምስ ኣብ መዓስከራት ሕጻጽን ዓዲ–ሓሩሽን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተራኺባ።
ናብ ኣብ ውሽጢ መዓስከራትን ካብ’ተን መዓስከራት ወጻኢ ዝርከባን ዝተፈላለያ ኣብያተ–ትምህርቲ ፡ ከምኡ’ውን ንስደተኛታትን ኢትዮጵያውያንን ብሓባር እተገልግል ማእከል ጥዕና ዝበጽሐት እታ ኣምባሳደር፡ ኢትዮጵያ እትኽተሎ ዘላ ክፉት ፖሊሲ ስደተኛታት ብኻልኦት ክሰዓብ ዘለዎ ኣብነታዊ ስራሕ ከምዝኾነ ጠቒሳ።
“ኢትዮጵያ ፡ ንሕና ከም ውልቀሰባትን መንግስታታት ብኲናትን ባሕርያዊ ሓደጋን ንዝመዛበሉ ወገናት ንምሕጋዝን ድሕነቶም ንምውሓስን ኽንኽተሎ ዝግባእ ክፉት ፖሊሲ ስደተኛታት ኣንጸባራቒት ኣብነት እያ፡” ትብል ኣምባሳደር ቾፕራ።
ካብ ዘይውሑስ ተወሳኺ ስደት ኽግትኡ ፡ ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፋ ቀረባ ዓመታት ጀሚራ ህይወትን መነባብሮን እቶም ኣብ ሃገራ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምምሕያሽ ዝተፈላለዩ ዕድላት ኣብ ምፍጣር ትጽዕት ከምዘላ ይፍለጥ ።
ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይ’ዚ ዓመት፡ ኢትዮጵያ ንዝጸንሑ ሕግታት ብምሕዳስ ስደተኛታት ካብ መዓስከራት ወጺኦም ተወሳኺ ናይ ትምህርቲን ስራሕ መሰላት ኽህልዎም ዘኽእል ዉሳኔታት ምሕላፋ ይዝከር። ኣብ’ታ ሃገር ልዕሊ 60,000 ቆልዑ ዝርከብዎም 196,350 ተመሃሮ ስደተኛታት ከምዘለዉ እዩ ጸብጻብ ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘረድእ።
ብዘይካ’ዚ ኢትዮጵያ ስደተኛታት ምስ ከባቢኦም ተወሃሂዶምን ነብሶም ኽኢሎምን ነቲ ኣብ ከባቢኦም ንዝርከብ ኢትዮጵያዊ ማሕበረሰብን ንቚጠባ እታ ሃገርን ኣስተዋጽኦ ከምዝህልዎም ንምግባር ካብ ወርሒ ሕዳር ናይ 2017 ኣጠቓላሊ መርሓ ንጠለብ ስደተኛታት ተግባራዊ ገይራ ትርከብ።
ኣምባሳደር ሰላም ዩኒሴፍ ወ/ሮ ቾፕራ፡ ነቶም ኣብ መዓስከራት ሕጻጽን ዓዲ–ሓሩሽን ዝርከቡ ልዕሊ 50,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ምስ ኣብ ከባቢኦም ዝርከቡ ማሕበረሰባት ኢትዮጵያ ንምውህሃድ ዝካየድ ዘሎ ስራሕ መጒሳ ።
“ እዘን መዓስከራት ኣብ’ቶም ከባቢታት ንዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ኣዝየን ዝቐረባ እየን። ሓያሎ ኢትዮጵያውያን ቆልዑ ልክዕ ከምቶም መዘናኦም ስደተኛታት ጸገም መነባብሮ ዘለዎም ብምዃኖም ፡ ንኽልቲኦም ወገናት ዘርብሑ ዕድላት ብማዕረ ክዉን ምግባር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፡” ትብል ወ/ሮ ቾፕራ።
ኢትዮጵያ ሒዛቶ ብዘላ ቊጽሪ ስደተኛታት ኣብ ኣፍሪቃ ድሕሪ ኡጋንዳ ካልኣይ ደረጃ ሒዛ ትርከብ። ኣብ’ታ ሃገር መብዛሕትኦም ካብ ኤርትራ፡ ሶማልን ደቡብ–ሱዳንን ዝኾኑ ልዕሊ 900,000 ስደተኛታት ኣለው። ብመሰረት እዋናዊ ጸብጻብ ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት 175,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣለው።
TMP – 31/05/2019
ስእሊ፥ ፍሬዘር
መዓስከር ስደተኛታት ሕጻጽ ኣብ ኢትዮጵያ
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ