ጀርመናውያን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዘርእይዎ ጽለኣት ይዛይድ
ጀርመናውይን ኣብ ልዕሊ ሓተቲ ዑቕባ ስደተኛታት ዘለዎም ኣሉታዊ ኣጠማምታ እንዳዛየደ ይመጽእ ከምዘሎ ተሓቢሩ።
ፍሬድሪክ ኤልበርት ዝተባህለ ትካል ዘካየዶ መጽናዕቲ ከም ዘመልከቶ፡ ዋሕዚ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናብ ጀርመን ይትሕት ኣብ ዘለወሉ እዋን እውን እንተኾነ ዜጋታት እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ሓተቲ ዑቕባ ዘርእይዎ ኣሉታዊ ጠመተ ይብእስ ምህላዉ እዩ።
ኣብ ልዕሊ ሓተቲ ዑቕባ ዘለዎም ኣረኣእያ ካብ ዝተሓተቱ ጀርመናውያን እቶም 54 ሚእታዊት ብኣሉታ ከምዝመለሱ፡ እዚ ድማ ካብ’ቲ እታ ሃገር ኣብ 2015ን 2016ን ብልዑል ቊጽሪ ስደተኛታት ተቖልያትሉ ዝነበረት እዋን ዝተመዝገበ ኣሃዝ ኣዚዩ ከምዝዛይድ እቲ መጽናዕቲ የረድእ ።
እቲ ኣሃዝ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ኣዚዩ ከምዝዛይድ፡ 2 ካብ ሰለስተ ምብራቕ ጀርመናውያን (63 ሚእታዊት) ድማ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ሕማቕ ኣረዳድኣ ከምዘለዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝረአ ዘሎ ኣሉታዊ ኣጠማምታ በቶም ኣብ’ታ ሃገርን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ዝካየዱ ሽበራዊ መጥቃዕትታት ይገድድ ምህላው እውን እቲ መጽናዕቲ ወሲኹ ይሕብር።
ጽለኣት ስደተኛታት ኣብ ሓያሎ ሃገራት እውሮጳ የስፋሕፍሕ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ጀርመን ኣብ 2016 ጥራይ ልዕሊ 900 መጥቃዕትትት ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ስደተኛታት ከምዝበጽሐ ይንገር።
ኣብ ቊጠባ ኤውሮጳ ብዝግደስ ትካል መጽናዕቲ ሌብኒዝ (ZEW) ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይ’ዚ ዓመት ዝተኻየደ ተመሳሳሊ መጽናዕቲ እውን ፡ ሓደስቲ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ጀርመን ካብ’ቶም ኣብ ካልእ ክፋላት እታ ሃገር ዝርከቡ ካልኦት ሓተቲ ዑቕባ ግዳያት ናይ ጽላኣት መጥቃዕትታት ክኾኑ ዘሎ ዕድል ብ 10 ዕጽፊ ከምዝዓቢ ይገልጽ።
ኽኢላ ቁጠባ እቲ መጽናዕታዊ ትካል ዝኾነ ኣቶ ማርቲን ላንጂ፡ ነቶም ኣብ ምብራቓዊ ክፋላት ጀርመን ዘለዉ ሓተቲ ዑቓባ ዝጎንፎም መጥቃዕትታት ካብ’ቶም ናይ ምዕራባዊ ከባቢታት ክዛይድ ከምዝኾኑ ብምእማት፡ እዚ ክስተት ኣብ መራኸቢ ብዙሓን እታ ሃገር ብቐጻሊ ክግለጽ ብምጽናሑ ሓቀኛ ቊጽሪ ናይ’ቶም ተርእዮታት ኣብ ቀረባ እዋን ክፍለጥ ከምዝኾነ ይሕብር።
ዓመተ 2015 ዝበዝሐ ቊጽሪ ስደተኛታት ናብ ጀርመን ዝኣተወላ ዓመት ኮይኑ፡ ከባቢ ሓደ ሚልዮን ስደተኛታት እዮም ናብ’ታ ሃገር ኣትዮም። ካብ’ቲ እዋን እቲ ኣትሒዙ ጀርመናውያን ብጉዳይ ስደተኛታት ናይ ኣረኣእያ ፍልልያቶም ይገፍሕ ከምዘሎ ይሕበር።
ካብ ዝሕለፋ ውሑዳት ዓመታት ጀሚሩ ናብ ሃገሩን ኤውሮጳን ዝኣቱ ልዑል ቊጽሪ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንምግታእ መንግስቲ ጀርመን ኣብ ጉዳይ ኤሚግሬሽንን ሕቶ ዑቕባን ተረትቲ ፖሊሲስታት ከማሕድር ይረአ ኣሎ። ጠለቦም ዝተነጽገ ሓተቲ ዑቕባ ሻቡ ምጥራዝ፡ ነቶም ስድራኦም ክጥርንፉ ዝጠልቡ ስደተኛታት ዝወሃብ ዕድል ምጽባብ፡ ንስደተኛታት ዝስላዕ ባጀት ምቚራጽ ገለ ካብ’ቶም ተረርቲ ፖሊሲታት እዮም። እዚ ድማ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ጀርመን ክጸንሑ ወይ ጉዳዮም ተቐብልነት ክረክብ ዘሎ ዕድል ናብ ዝተሓተ ደረጃ ወሪዱ ኣሎ ማለት’ዩ።
በቶም ዝብርኹ ዘለዉ ጀርመንዊ ጽላኣትን ዝኸርሩ ዘለዉ ፖሊሲታትን ተስፋ ቖሪጾም ናብ ሃገሮም ብድሌቶም ክምለሱ ናይ ዝመርጹ ዘለዉ ስደተኛታት ቊጽሪ እምበኣር ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይዛይድ ኣሎ።ካብ 2013 ክሳዕ 2017 መንግስቲ ጀርመን ን ልዕሊ 140,000 ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ወይ’ውን ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ከምዝግዕዙ ገይሩ ምህላዉ’ውን ይፍለጥ።
TMP – 01/05/2019
Photo credit: Shutterstock
ስእሊ፥ ጽላኣት ስደተኛታት ኣብ ጀርመን ይዛይድ
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ