ቁጽሪ ካብ ፈረንሳ ናብ እንግሊዝ ክሰግሩ ዝፍትኑ ስደተኛታት ልዑል ወሰኽ የርኢ

ፈረንሳን እንግሊዝንኣብ መወዳእታ 2018 ምስ ዝተራእየ ምውሳኽ ዋሕዚ ንመትረብ እንግሊዝ ብጃላቡ ኽሰግሩ ዝፍትኑ ስደተኛታት ናይ ምክትታል ዶባት ስርሒታተን የስፍሓ ኣለዋ።

ከም መልሲ ነዚ ልዑል ናህሪ ዋሕዚ ስደተኛታት እንግሊዝ ኣብ ገማግም ፈረንሳ ዝዓዪ ናይ ሓለዋ ንብረት ክትሽምት ከላ፡ ኣብ መጻኢ ኽሰግሩ ዝፍትኑ ንምዕጋት ድማ ዝተታሕዙ ስደተኛታት ናብ ፈረንሳ ትመልሶም ኣላ። ሓይልታት ጸጥታ ፈረንሳ ኣስገርቲ ናይ ምሓዝ ጻዕርታቶም ኣበራቢሮም ስደተኛታት ነቲ ሓደገኛ ጕዕዞ ኸይፍትንዎ ይኽልክልዎም ኣለዉ። ብመሰረት ጸብጻብ ኣሶሽዬይትድ ፕረስ ፍራንክ ቱልዩ ካብ ፖሊስ ዶባትን ኣየርን ፈረንሳ፡ ኣብ 2018 ኣብ ሰሜናዊ ኽፋል ፈረንሳ 26 ጉጅለታት ኣስገርቲ ከምዝተታሕዙ ገሊጹ።  

መትረብ እንግሊዝ ኣዝዩ ልዑል ጻዕቂ ምንቅስቓስ ዘለዎን ሓደገኛን ማያት ክዀውን ከሎ እተን ኣስገርቲ ዝጥቀሙለን ጃላቡ ነቲ ጉዕዞ ዘይበቕዓ እየን። ብመሰረት ሮይተርስ፡ ከንቲባ ናይታ ኣብ ሰሜናዊ ፈረንሳ እትርከብ ክተማ ግራን-ሲንት ዝዀነ ዳምያን ካሬም፡ “መትረብ እንግሊዝ ከም ማእከላይ ባሕሪ ካልኣይ መቓብር ክኸውን ኣይደልዮን እየ፡” ኢሉ።

ብመሰረት ሓበሬታ መንግስቲ ፈረንሳ ኣብ 2018 ብድምር 71 ፈተነታት ምስጋር ጃላቡ ስደተኛታት ተራእዩ። እቲ ቑጽሪ ካብ ናይ 2017 ብሽዱስተ ዕጽፊ ኣቢሉ ይዓቢ። ካብቶም ኣብ 2018 ዝተኻየደ ፈተነታት እቶም 57 ኣብ ሕዳርን ታሕሳስን ዝተኻየዱ ምዃኖም ኣሶሽዬትድ ፕረስ ይሕብር።

ቅድሚ ሕጂ መብዛሕትኦም ስደተኛታት ኣብ ናይ ጽዕነት መካይን ተሓቢኦም እዮም እንግሊዝ ክበጽሑ ዝፍትኑ ኔሮም። እንተዀነ ግና እንግሊዝን ፈረንሳን ኣተሓሕዛአን ብምትራር ነቲ ልምዲ ክዓግትኦ ጽዒረን። ኣብዚ እዋን፡ ሰብ መዚ ዶባት ናይ ዘመኑ ዝበለጸ መሳርሒታት እናተጥቕሙ ንመካይን ይፍትሽወን። ኣብ 2018 ክሳብ 3,000 ዝዀኑ ስደተኛታት ኣብ ሰሜን ፈረንሳ ኣብ ናይ ጽዕነት መካይን ተታሒዞም።

ብመሰረት ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ፡ መብዛሕትኦም ናይቶም ኣብ 2018 ናብ እንግሊዝ ክኣትዉ ዝፈተኑ ስደተኛታት ኢራናውያን ምዃኖም እዮም ዝገልጹ። ኣካያዲ ናይቲ ረድኤት ስደተኛታት ሰርብያ ዝተባህለ ትካል ዝዀነ ሚዮድራግ ሻኪሽ፡ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝተዘራረበሉ እቶም ስደተኛታት ገለ ኻብቶም ሰርብያ ንሓጺር እዋን ብዘይቪዛ ምሕላፍ ኣፍቂዳትሉ ዝነበረትሉ ግዜ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ኣሽሓት ኢራናውያን ክዀኑ ኸምዝኽእሉ ገሊጹ።

ካብቲ ናይ 1979 እስላማዊ ሰውራ ንደሓር ዓመታዊ ካብ 150,000 ክሳብ 200,000 ኢራናውያን ከምዝስደዱ እዩ ዝግመት። ብመሰረት ወግዓዊ ኣሃዛት ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ፡ ዜጋታት እታ ሃገር ኣብዚ ዝሓለፈ ኽልተ ዓመት ካብ ናይ ካልኦት ሃገራት ዜጋታት ዝበዝሐ ሕቶታት ዑቕባ ኣቕሪቦም።

TMP – 06/02/2019

ስእሊ፦ ሓለዋ ዶባትን ፖሊስን ኣብ ገማግም ባሕሪ ጃልባ ይምርምሩ። ኬንት፡ እንግሊዝ፡ 31 ታሕሳስ 2018። (ሱዛን ፒልቸር)