ሓደ ጉጅለ ኣስገርቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ክእሰሩ ብኣብያተ ፍርዲ ኢጣልያ ተፈሪዶም

ላዕለዋይ ናይ ይግባይ ቤትፍርዲ ኢጣልያ ምስቲ ኣብ ነሓሰ 2015 ዘጋጠመ ህይወት 49 ስደተኛታት ዝወሰደ ህልቂት ብዝግተኣሳሰር ንሰለስተ ኣስገርቲ ንነፍሲ ወከፎም 20 ዓመት ክእሰሩ ፈሪድዎም። እቲ ኣንጻር እቲ ኣብ ናይ ካታንያ ናይ ይግባይ ቤትፍርዲ ዝተዋህበ ፍርዲ ዝቐረበ ይግባይ በቲ ውሳኔ ተነጺጉ።

ሓሙሽተ ብጾቶም ድሮ ብድምር ናይ 120 ዓመታት ፍርዲ ተዋሂቡዎም ናይ ይግባይ መጋባእያ ይጽበዩ ኣለዉ።

እቲ እዞም ሓሙሽተ ሰባት ብምቕታል ተኸሲሶምሉ ዘለዉ ጉዳይ 15 ነሓሰ 2015 ዘጋጠመ ሓደጋ እዩ። ኢጣልያዊት መርከብ ቺጋላ ፉልጎሲ ናይ ህይወት ምድሓን ጻውዒት ተቐቢላ ነታ ኣብ መጻብቦ ሲቺልያ ዝነበረት 49 ብሰንኪ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ዝሞቱ ስደተኛታት ዝነበርዋ ጃልባ ቅድሚ ወጋሕታ በጺሓታ። እታ ጃልባ ካብታ ኣብ ምዕራባዊ ሊብያ እትርከብ ከተማ ዝዋራ ብድሮ ምሸት እያ ተበጊሳ።

መርከብ ቺጋላ ፉልጎሲ ነቶም 313 ዝደሓኑ ስደተኛታትን ንሬሳታት ናይቶም ግዳያትን ናብ ኖርወያዊት መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ሲየም ፒሎት ኣስጊራቶም። እቶም ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ ስደተኛታት ካብ ኣፍሪቃ፡ ኤስያን ማእከላይ ምብራቕን ዝተበገሱ እዮም።

እታ ልዕሊ ዓቕማ ተጻዒና ዝነበረት 15 ሜትሮ ዝንውሓታ ጃልባ ገፈፍቲ ዓሳ ካብቲ ዝተበገሰትሉ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ክትጥሕል ስለዝጀመረት እቶም ህይወት ዘድሕኑ ኽበጽሕዋ ኸለዉ ክፋላ ኣብ ማይ ጥሒሉ ኔሩ። ዝበነነ ነዳዲ ነቲ መስኮት ዘይብሉ ኽፍሊ ምስመልኦ እዩ 49 ኣብኡ ዝነበሩ ሰብኡት ሞይቶም። ዝበዝሑ ኻብቶም ግዳያት ነንስቶም ኣብ ደገ ቦታ ዝገደፉለን ምርዑዋት ሰብኡት እዮም ኔሮም።

እቲ ኣብቲ ናይ ታሕቲ ኽፍሊ ዝነበረ ዋዒ፡ ብፍላይ ጥቓ እቲ ነዳድን ሃፋ ነዳድን ዝወጽእ ዝነበረ ሞተር ዝነበረ ዋዒ ፈጺሙ ኽጽወር ዘይክእል እዩ። ዋላ ዝስተ ማይ ከምዘይነበሮም እዮም ነጊሮምና። እቶም ጥቓ ሞተር ዝነበሩ ክንቀሳቐሱ ኣይክእሉን ስለዝነበሩ በብሓደ ኽሞቱ ጀሚሮም። እቶም ኣድሓንቲ ምስበጽሑ ኣስካሕካሒ ትርኢት ተቐቢልዎም፡ይብል ኣባል ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ፍላቭዮ ጃኮሞ ድሕሪ እቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዝተዛረበሉ።

ብመሰረት ኢጣልያውያን ኣኽበርቲ ሕጊ ዘቕረብዎ ኽሲ እቶም 8 ሰብኡት ነቶም ኣብ ታሕተዋይ ክፍሊ ዝነበሩ ስደተኛታት ብቕልዒት፡ ብጉስጥን ብቑልፍታትን ቀጥቂጦሞም እዮም። ናብቲ ላዕለዋይ ምድሪ ቤት ዘሕልፍ ብኣካላቶም ብምዕጻው ኣብ ውሽጢ እቲ ኽፍሊ ዝነበረ ኦክሲጅን ስለዝወሓደ እቶም 49 ስደተኛታት ከምዝሞቱ ይኸሱ።

እቶም ሰለስተ ብምስላጥ ዘይሕጋዊ ስደትን ዝተኸሱ ካብ ሊብያ፡ ሞሮኮን ቱኒዝያን እዮም። ሰለስቲኦም ነቲ ኽስታት ነጺጎሞ እዮም። እቶም ካልኦት ኣባላት ጉጅለ ኣስገርቲ ተባሂሎም ዝተኸሱ ሓሙሽተ ንጉዳዮም ኣብ ቤት ፍርዲ ናይታ ኣብ ሲቺልያ እትርከብ ከተማ ካታንያ ይግባዮም ይስምዓሎም ኣሎ።

TMP – 25/04/2019

Photo credit: ሻተርስቶክ

Photo caption: ኖርወያዊት ሲየም ፒሎት 312 ዝደሓኑን 49 ሬሳታትን ሒዛ ኣብ ወደብ ካታንያ፡ ኢጣልያ ትዓርፍ። 17 ነሓሰ 2015.