ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ኣብ ኤውሮጳ ንቅልውላዉ ይቃልዑ

ኣብ ውሽጢ’ዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ዓመታት ዑቕባ ንምሕታት ናብ ኤውሮጳ ዝኣተዉ ልዕሊ 200,000 ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ስደተኛታት ንምዝመዛን ግፍዒን ይቃልዑ ምህላዎም፡ ‘ሴቭ ዘ ቺልድረን’ ዝተባህለ ትካል ኣብ ዘውጽኦ ዓመታዊ ጸብጻብ ሓቢሩ። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ እቶም ቆልዑ ኣብ ኤውሮጳ መሰል ዑቕባ ንምውሓስ ብዙሕ ከምዝጽገሙ፡ ከይጥረዙን ከይእሰሩን ኣብ ቀጻሊ ፍርሒ እንዳነበሩ ድማ፡ ዋላዉን ምስ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ዝነብሩ ስድራቤቱም ኪጥርነፉ ዕድል ይስእኑ ምህላዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እቲ እዋናዊ መጽናዕቲ ወሲኹ፡ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፋ ሓሙሽተ ዓመታት ፡ ህጻናት ዝርከብዎም ልዕሊ 700 ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ህይወቶም ከምዝስኣኑ ጸብጺቡ ።

ኣብ’ዚ ሓያለ ሃገራት ኤውሮጳ ዋሕዚ ስደተኛታትን ለብዒ ኮሮና ቫይረስን ኪገትኣ ዶባተን ረጊጠናሉ ዘለዋ እዋን ፡ ዓሰረተታ ኣሽሓት ቆልዑ ስደተኛታት ኣብ ደሴታት ግሪኽ ተዓጊቶም ምህላዎም ዘመልከተ እቲ ጸብጻብ፡ ብዙሓት ካብ’ቶም ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ኣእምሮኣዊ ነውጺን ነብሰ-ሃስያን ወዲቖም ከምዝርከቡ ኣተሓሳሲቡ። ብዙሓት ካልኦት ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ኣብ ኤውሮጳ ብዘይ ውሑስነት ከምዝርከቡ እዉን እቲ እዋናዊ ጸብጻብ ኣስሚሩሉ ኣሎ።

ዝበዝሑ ካብቶም ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ካብ ሃገራት ማእከላይ ኤስያን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝመጽኡ ምዃኖም እዉን እቲ ጸብጻብ ኣረዲኡ ።


TMP – 02/09/2020

Photo credit: EPA/Carlo Ferraro. Photo caption: Italian authorities escorting migrants onto an airplane in Lampedusa, Italy