ሊብያ፡ ስደተኛታት ብደብዳብ ነፈርቲ ተቐቲሎም
ኣብ ከተማ ትሪፖሊ ናይ ሊብያ ብ 3 ሓምለ ስደተኛታት ኣብ ዝተዳጎኑሉ ማእከል ብዝተኻየደ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ብውሑዱ ክሳዕ 60 ዝበጽሑ ስደተኛታት ህይወቶም ኽስእኑ እንከለዉ ልዕሊ 130 ካልኦት ብጽኑዕ ቆሲሎም።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብ’ታ መብዛሕትኦም ካብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያል ሱዳንን ሶማልን ዝኾኑ ልዕሊ 600 ስደተኛታት ተዳጒኖሙላ ዝነበረት ኣብ ከባቢ ታጆራ ናይ ከተማ ትሪፖሊ እትርከብ ማእከል እዩ ተኻይዱ። ሓያሎ በቲ መጥቃዕቲ ዝቖሶሉ ግዳያት ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት ስለዝርከቡ’ውን ቊጽሪ ምውታት ኽዛይድ ልዑል ተኽእሎ ኣሎ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት እቲ መጥቃዕቲ ከም ገበን ኲናት ኽምሰል ከምዝኽእል ጠቒሱ ብነጻ ኣካል ክምርመር ኣትሪሩ ይጽውዕ ኣሎ።
ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታትን (ኣይ.ኦ.ኤም) ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ እውን ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዘለዎም ኩነኔ ብምግላጽ ድጎና ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ብቐጥታ ከብቅዕ ጸዊዖም ኣለው።
ኣብ ሊብያ ልዕሊ 6,000 ስደተኛታት ኣብ ዝተፈላለያ መዶጎኒ ማእከላት ተታሒዞም ብዘይእኹል መግብን መድሃኒትን ሕሱም ህይወት የሕልፉ ከምዘለዉ ዝጥቀስ ኮይኑ ፡ ካብ ወርሒ መስከረም ናይ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ዛጊት ልዕሊ 20 ስደተኛታት ብቐሊሉ ክፍወሱ ብዝኽእሉ ሕማማት ተሰኒፎም ህይወቶም ስኢኖም ምህላዎም ይንገር። ኻልኦት’ውን ኣብ ሞንጎ ግጭታት ዕጡቓት ወገናት ተቐርቂሮም ብዙሕ ኣደራዕ ይበጽሖም ኣሎ።
ኣወሃሃዲ ስራሕ ዶክተራት ብዘይዶብ ዝኾነ ኣቶ ፕሪንስ ኣልፋኒ ስደተኛታት ብቕልጡፍ ካብ ሊብያ ኽወጽኡ ምግባር ከምዘድሊ ጠቒሱ ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ጥራይ ምዂናን ዘይኮነ ኣብ ሊብያ ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ ዝሓጸረ እዋን ናብ ውሑስ ከባቢ ምግዓዝ እዋኑ ከምዝኾነ ኣተሓሳሲቡ።
ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳዕ ግንቦት ናይ’ዚ ዓመት ልዕሊ 1,000 ስደተኛታት ብሓገዝ ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ካብ ዝተፈላለያ መዶጎኒ ማእከላት ተለቒቖም ናብ ውሑስ ቦታ ኽግዕዙ ተገይሩ እዩ። እንተኾነ ልዕሊ 3,300 ኻልኦት ገና ኣብ መድጎንቲ ከምዘለዉ ይንገር።
ኣብ ሊብያ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ምስቲ ኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ እታ ሃገር ኣብ ምዕጋትን ምምላስን ስደተኛታት ኣሐይሎሞ ዘለው ናይ ምግባር ዓቕሚ ተደሚሩ ሓያሎ ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ኽዕገቱ ገይሩ ከምዘሎ ይፍለጥ። ኣብ’ዚ ዓመት ጥራይ ልዕሊ 3,000 ስደተኛታት ብኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣብ ጉዕዞ ተዓጊቶም ናብ መዳጎኒ ማእከላት እታ ሃገር ኽምለሱ ከምእተግብረ ይዝረብ።
ብዘይካ’ዚ እቶም ካብ ገማግም ሊብያ ድሕነት ብዘይብለን ጀላቡ ናብ ዓዲ–ጥልያን ኸምርሑ ዝበቕዑ ስደተኛታት፡ መንግስቲ ጥልያን ኣብ ማያዊ ግዝኣቱ ዝኾነት ኣብ ምድሓን ህይወት ስደተኛታት ትነጥፍ መርከብ ኸይትንቀሳቐስ ብምውሳኑ ህይወት ሓያሎ ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ይረአ ኣሎ። ብ 29 ሰነ፡ 42 ካብ ሓደጋ ዝደሓኑ ስደተኛታት ናብ ገማግም ዓድ–ጥልያን ናይ ዝበጽሐት መርከብ ካፕቴን ዝኾነት ጀርመናዊት ብሰብ–መዚ ጥልያን ተቐዪዳ ድሒራ ከምእተፈትሐት ይፍለጥ።
ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብቐጻሊ ዝገብሮ ዘሎ ጻውዒት ኣብ ልብያ ዘሎ ድጎና ስደተኛታት ኸብቅዕ እዩ።
TMP – 04/07/2019
ስእሊ: @penlibya / Twitter
ብ 3 ሓምለ ዝተደብደበ መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ታጁራ
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ