መስመራት ማእከላይ ባሕሪ ንምዕጻው ዝቐረበ እማመ

ፕረሲደንት ሕብረት ኤውሮጳ ኣንቶንዮ ታጃኒ፡ መስመር ማእከላይ ባሕሪ ንምዕጻው 6 ቢልዮን ኤውሮ ዘውጽእ ኤውሮጳዊ-ሊብያዊ ውጥን ምዕባለ ንእማመ ኣቕሪቡ።

ቨልት ኣብ ዝተባህለት ጀርመናዊት ጋዜጣ ኣብ ዝጸሓፎ ርእይቶ ቅድሚ እቲ 28ን 29ን ሰነ ዝካየድ ዋዕላ ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ ሓባራዊ ኣተሓሕዛ ጉዳይ ስደት ክረኽባ ጸዊዑ። ነቲ ዋዕላ፡ “ትጽቢት ፍርቂ ቢልዮን ኤውሮጳውያን ንዘይምጥላም ናይ መወዳእታ ዕድል እዩ፡” ኢሉ።

ታጃኒ፡ ዜጋታት ኤውሮጳ መከላኸሊ ዘይብላ ኤውሮጳ ክቕበሉ ኣብ ዘይክእሉሉ ደረጃ በጺሖም ከምዘለዉ ብምግላጽ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ንስቓይ እቶም ብሰንኪ ምስጓጕን ኲናትን ዝስደዱ ዘለዉ ዝርዳእ ክዀነሎም ከምዝደልዩ ገሊጹ። እዚ ግና ነቶም ናብ ኤውሮጳ ኽኣትዉ ዘይግብኦም ብዝግባእ ብዝፈሊ መገዲ ክኸውን ከምዝግብኦ ሓቢሩ።

“በቲ ሓደ ኢድ እቶም ኣብ ኤውሮጳ ዑቕባ ክረኽቡ ዝግብኦም ኤውሮጳ ኽበጽሑ ኸምዝግብኦም ከነረጋግጽ ኣለና። እንተዀነ ግን ክሳዕ ሕጂ ካብተን መሰጋገሪ ዝዀና ሃገራትን ካብ ሃገራት ገማግም ባሕሪ ኣፍሪቃን ናብቲ መሰጋገሪ ዝኸደ የለን። በቲ ኻልእ ኢድ፡ ኣብ መንጎ ኣባል ሃገራት ስሩዕን ግዴታውን ምምቓል ደለይቲ ዑቕባ ዘፍቅድ ኣገባብ የድልየና፡” ኢሉ።

ታጃኒ፡ ኣሰጋገርቲ ህይወት ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ኣብ ሓደጋ ኻብ ምውዳቕ ክኽልከሉ ኸምዝግባእን እቶም ዑቕባ ዘድልዮም ኣብ ኢድ ኣስለዅቲ ስደተኛታት ዝረኸበ ኽገጥሞም ክግደፉ ኸምዘይግባእ ኣዘኻኺሩ።

ከም ኣብነት ነቲ ምስ ቱርኪ ዝተበጽሐ መስመር ባልካን ዝዓጸወ ስምምዕ ኣመልኪቱ፡ መስመራት መዲተራንያን ንምዕጻው ሕብረት ኤውሮጳ እንተወሓደ 6 ቢልዮን ዩሮ ኸውጽእ ከምዝግብኦ፡ እቲ ኣብ መንጎ ኒዤርን ሕብረት ኤውሮጳን ተበጺሑ ዘሎ ምትሕግጋዝ ድማ ናብ ካልኦት ከም ማውሪታንያ፡ ማሊ፡ ቻድ፡ ቱኒዝያ፡ ሞሮኮ፡ ኣልጄርያ፡ ሊብያ’ውን ከይተረፈት፡ ክዝርጋሕ ከምዝግብኦ ኣሚሙ።

ነቲ 416,000 ካብቲ ኣብ ሰልሰተ ዓመት ዝቐረበ 650,000 ሕቶታት ዑቕባ ኣብተን ሰለስተ ሃገራት ጀርመን፡ ኢጣልያን ፈረንሳን ጥራይ ዝቕረበ ምንባሩ ጠቒሱ፡ ምስ ኣተገባብራ ስምምዕ ዳብሊን ዝዛመድ ርኡይ ዘይፍትሒ ነቲ እናነሃረ ዝኸይድ ዘሎ ኣብ መንጎ ኣባል ሃገራት ዝፍጠር ዘሎ ፍሕፋሐ ኸምዘጋድዶ ዘሎ ገሊጹ።

ታጃኒ ንመሰረታዊ መበገሲ ስደት ኣብ ኣፍሪቃ ክሳብ 40 ቢልዮን ኤውሮ ዝወስድ ኣብዚ ዝመጽእ ዓሰርተ ዓመት ክሳብ 500 ቢልዮን ኤውሮ ወፍሪ ከንቀሳቕስ ዝኽእል ጥርኑፍ መጠነሰፊሕ ውጥን ክብገስ ከምዝግብኦ ይገልጽ። እዚ ሓሳብ ዝጠቕመሉ መኽንያት እቲ ውጥን ምስ ቁጠባዊ ዲፕሎማሲን ንሕጋዊ ስደት ዝኸውን መዐቀኒን ተወሲኹ ናብተን መበገሲ ዝዀና ሃገራት ናይ ምቕባል ተመለስቲ ስደተኛታት ስምምዕ ንምብጻሕ ከኽእል እዩ ይብል።

ታጃኒ፡ ዝያዳ ሚዛናውን ዝሰለጠን ኤውሮጳዊ ኣገባብ ዑቕባ ክህሉ ብምጽዋዕ፡ ጉዳይ ኣተሓሕዛ ስደት ንኤውሮጳዊ ሕልሚ ከፍርሶ ኸምዝኽእልን ከምኡ ኸጋጥም ክፍቀድ ከምዘይግብኦን ብምግላጽ ይድምድም።

TMP – 18/07/2018

ፕረሲደንት ሕብረት ኤውሮጳ ኣንቶንዮ ታጃኒ ንተሳተፍቲ ፓርላማ እናጣቕዓሎም