እማመ መስመር መገዲ ሜዲቴራንያን ንምዕፃው
እቶም ናይ ሕብረት ኣውሮፓ ፓርላማ ፕሬዚደንት ኣንቶኒዮ ታጃኒ፣ መስመር መገዲ ሜዲቴራንያን ንምዕፃው ብኣውሮፓ ሊቢያ ልምዓት ፕላን 6 ቢሊዮን ዩሮ ከምዘድሊ ሓሳብ ኣቕሪቦም፡፡
ሚስተር ታጃኒ ቨልት ናብ ዝተብሃለ ናይ ጀርመን ጋዜጣ ዘቕረቡዎ ሓሳብ ሃገራት ሕብረት ኣውሮፓ ናብ ኣውሮፓ ዝግበር ስደት ቅድሚ ኣብ 28 – 29 (ብፈ. ኣቆ)ዝግበር ናይ ሕብረት ኣውሮፓ ሃገራት ኣብ ዝግበር ርክብ ሥርዓት ከትሕዙዎ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፤ ብምቕፃል እውን እቱ ናይ ሕብረት ኣውሮፓ ሃገራት ርክብ “ናይ ፍርቂ ቢልዮን ኣውሮጳውያን ትፅቢት/ተስፋ ንኸይፈሽል ናይ መወዳእታ ዕድል እዩ”ኢሎም፡፡
ሚስተር ትሮጃን ዘረባኦም ብምቕፃል ዜጋታት ኣውሮፓ ምክልኻል ዘይትኽእል ኣውሮፓ ክቕበሉ ከምዘይኽእሉ ኣተሓሳሲቦም፤ ”ዝደልዩዎ እውን ካብ ግፍዕን ኵናትን ሓዲሞም ምስ ዝመፁ ሕብረትን ምትሕውዋስን ከምዝደልዩ ተዛሪቦም፡፡ እንተኾነ ግን እዙይ ብመንፅር ምስ እቶም ናብ ኣውሮፓ ክኣትዉ ወይ ክነብሩ መሰል ዘይብሎም ክረአ ኣለዎ”፡፡
“ብቱ ሓደ መዳይ ከነረጋግፆ እንደልዮ እቶም ናይ ብሓቂ ዑቕባ ዝግበኦም ናፃ ኰይኖም ኣውሮፓ ንኽበፅሑ እንትኸውን፣ ካብ ሕጂ ጀሚሩ ካብ ኣውሮፓ ይኹን ካብ ኣፍሪቃ ገምገም ባሕሪ ገዲፉ ዝሰግር የልቦን፡፡ ብካልእ መዳይ ዘድልየና ከዓ ዑቕባ ሓተትቲ ኣብ ኩለን ኣባል ሃገራት ክከፋፈሉ ዘኽእል ቅፅበታውን ግድነታውን ኣሠራርሓ ክህልወና ይግባእ” ኢሎም ፅሒፎም፡፡
ብተወሳኺ ታጃኒ ናይ ዓሠርተ ኣሽሓት ሕይወት ህዝብን ዑቕባ ዝደልዩን ካብ እቶም ዘይሕጋውያን ደለልቲ /ኣዘዋወርቲ ምክልኻል እውን ብጣዕሚ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣብ ልዕሊ ምትሕስሳቦም “እቶም ዑቕባ ዝደልዩ ኣብ ድልየት ናይ እቶም ዜየናሕስዩ ብሕቡእ ዝድልሉ ሰባት ክወድቁ ኣይብሎምን” ኢሎም ኣገንዚቦም፡፡
ምስ ቱርኪ መስመር መገዲ ባልካን ንምዕፃው ኣብ ዝተገብረ ስምምዕ ከም ኣብነት ብምጥቃስ፣ ታጃኒ ሕብረት ኣውሮፓ መስመር መገዲ ሜዲቴራንያን ንኸተዕፁ እንተነኣሰ 6 ቢልዮን ዩሮ ከተወፊ ከምዘለዋ ሓሳብ ኣብ ልዕሊ ምቕራቦም ኣብ መንጎ ሕብረት ኣውሮፓን ኒጀርን ዘሎ ምትሕግጋዝ ናብ ካልኦት ከም እኒሞሪታኒያ፣ ማሊ፣ ቱኒዝያ፣ ሞሮኮ፣ ኣልጀርያን ሊቢያን እውን ዝኣመሰላ ኣሰጋገርቲ ሃገራት ክዝርጋሕ ከምዘለዎ ተላቢዎም፡፡
ካብ እቶም ኣብ ሠለስተ ሃገራት ማለት ኣብ ጀርመን፣ ጣልያንን ፈረንሳይን ተዓቚቦም ዝነበሩ 650,000 ስደተኛታት እቶም 416,000 ዑቕባ ሓተትቲ ብምጥቃስ “ምስ ናይ ደብሊን ቀይዲ ሕጊ ዝተጋህደ እሞ ከዓ ምስ ካልኦት ኣባል ሃገራት ወጥርን ጎንፅን ነዳዲ ኮይኑ ዘቀፃፅል ዘሎ” ምዃኑ ታጃኒ ሓቢሮም፡፡
ሚስተር ታጃኒ ከምዝበልዎ፣ ንበዝሒ ስደት ቀንዲ ፍታሕ ከም ‘ጠቕላሊ ፕላን ንኣፍሪቃ’ ‘Marshall Plan for Africa’ ንዙይ “ እንተነኣሰ 40 ቢልዮን ዩሮ ኣብ ዝቕፅሉ 10 ዓመታት ኣብ መዓላ/ኢንቨስትመንት/ ዝውዕል 500 ቢልዮን ዩሮ ”ክናደ ኣለዎ፣ ምኽንያቱ “እዙ መዓላ እዙይ ምስ ተዓፃፃፊ ኢኮኖሚያዊ ርክብን ንሕጋዊ ስደተኛታት ዝበዝሐ ዝፍቀድ መጠንን /ኮታን/ ምስኣበገስቲ ሃገራት ዝግበር ንዳግመ ምፍቃድን ንምዕፃው ስለዝሕግዝ እዩ”፡፡
ታጃኒ ዘረባኦም ዝዛዘሙ “ፍትሓውን ስሉጥን ዝኾነ ናይ ኣውሮፓ ዑቕባ ምቕባል ሲስተም/ ሥርዓት ንኽህሉ” ብምፅዋዕን ኣውራ ከዓ ኣትኵሮት ዝገበሩሉ ፈፂሙ ክኸውን ዘይፍቀድ “ስደት ሕልሚ ኣውሮፓ ንምፍሻል“ እዩ፡፡
TMP – 18/07/2018
ሕብረት ኣውሮፓ ፕሬዚደንት ታጃኒ ኣብ ኣኼባ ፓርላማ ሕብረት ኣውሮፓ ደገፎም ብጣቕዒት እንትገልጹ
ፅሑፉን ያካፍሉ