ፖሊስ ኣብ ፓሪስ ዝርከብ ዘይሕጋዊ መዓስከራት ጸሪጎም
ፖሊስ ፈረንሳ ኣብ መወዳእታ 10 መዓልታት ጥሪ ኣብ ኣርባዕተ ግዝያዊ መዓስከራት ዝቕመጡ ዝነበሩ ስደተኛታት ከምዝኣለዩ ኣዣንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሩ።
እቶም ካብ ኣፍጋኒስታንን ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃን ዝመጹ ስደተኛታት ኣብ ኣርባዕተ ግዝያዊ መዓስከራት ኣብ ፖርት ደ ክሊኛንኮር፡ ኣቨኑ ዊልሶን፡ ፖርት ደ ላ ሻፔል ከምኡ ድማ ላ ቪለት ዝተባህለ ከባቢታት ፓሪስ ዝነብሩ ዝነበሩ እዮም።
ሓደ ኻብቶም መዓስከራት ኣብ ትሕቲ ሓደ ኻብ ድልድላት እቲ ፐሪፈሪክ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ንፓሪስ ብዙርያ ዝቕነታ መስመር ጽርግያታት ዝተዘርግሐ እዩ ኔሩ። ብ29 ጥሪ 2019፡ ክሳብ 300 ዝበጽሑ ስደተኛታት ካብቲ መዓስከር ተኣልዮም። ሰብ መዚ እታ ኸተማ እቶም ስደተኛታት ብፍቓዶም ካብቶም ኸምዝተኣልዩን ናብቲ ኣብቲ ኸተማ ዝርከብ ሕጋዊ መዕቈቢታት ከምዝውሰዱን፡ እቲ ስጕምቲ ኣብ እዋን ቁሪ ሓጋይ ኩሉ ሰብ ከምዝማምቝ ንምግባር ምዃኑን ሓቢሮም።
“ኩላቶም መርመራ ሕክምና ኽግበረሎም እዩ፡ ድሕሪኡ ብመሰረት መሰላቶም ምምሕዳራዊ ጉዳዮም ርኢና ናብ ማእከላት ክንሰዶም ኢና፡” ይብል ብሩኖ ኣንድረ ዝተባህለ ናይቲ ምምሕዳር በዓል ስልጣን። “ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ሰሙናት ተደጋጋሚ ኢና ሰባት ናብ ኣብ ፓሪስ ዝርከብ መዕቈቢታት ክንሰድድ ጸኒሕና፡ መዕቈቢ ድማ ይወሃቦም፥ ከምኡ ድማ እዞም ናይ ሎሚ 299 ሰባት ክእለዩ እዮም፡” ይብል።
ልዕሊ ኣብ ዝዀነ ግዜ ዝሓለፈ ኣርብዓ ዓመት ዝተራእየ ብዝሒ ስደተኛታት እትቕበል ዘላ ፈረንሳ፡ ሕቶ ዑቕባ ዝምመየሉ ግዜ ናብ ክልተ ወርሒ ኣሕጺራቶ ኣላ። ዳርጋ 64 ሚእታዊት ካብቶም ዘመልከቱ ስልዝተነጽጉ፡ እቶም ስደተኛታት ካብ ኤውሮጳ ኽወጹ ወይ ድማ ናብታ ፈለማ ዝረገጽዋ ኤውሮጳዊት ሃገር ክምለሱ ኣለዎም።
ምስ ምውሳኽ ናብ እንግሊዝ ክሰግሩ ዝፍትኑ ስደተኛታት፡ ፈረንሳ ኣብ ፓሪስን ኣብ ሰሜናዊ ገማግማን ስደተኛታት ዝነብሩሉ መዓስከራት ከተጽሪ እያ ጸኒሓ። ነዚ ሓደገኛ ማያት ክሰግሩ ኽብሉ ሰባት ብኸንቱ ህይወቶም ምእንቲ ኸይከስሩ መንግስታት ፈረንሳን ብሪጣንያን ብኽልቲኡ ወገን ናይ መትረብ እንግሊዝ ዘሎ ቝጽጽር ኣትሪሮሞ ኣለዉ። ብተወሳኺ፡ ሰብመዚ ብሪጣንያ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናብ ፈረንሳ ይመልሱ ኣለዉ።
TMP – 14/02/2019
ስእሊ፦ ቶማስ ሳምሶን/ ኣዣንስ ፍራንስ ፕረስ። ስደተኛታት ኣብ ካብ ዘይሕጋዊ መዓስከራት ሰሜናዊ ፓሪስ ክእለዩ ንብረቶም እናኣከቡ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ