ስደተኛታት ካብ ሊብያ ኽወጹ ብምጥላብ ኣድማ ኣካይዶም
መብዛሕትኦም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝዀኑ ኣብ ሊብያ ዝተዳጐኑ ስደተኛታት ኣድማ ኣካይዶም።
እቶም ስደተኛታት ብ2015 ናይ 120 ሰባት ጉጅለ ዀይኖም ነቲ ናብ ኤውሮጳ ዝግበር ጕዕዞ ኽፍትንዎ ብ2015 ሊብያ ዝኣተዉ ክዀኑ ኸለዉ፡ ጨወይቲ ሒዞም ናብ ኣሻየጥቲ ሰባት ክሸጥዎም ፈቲኖም። ድሕሪ ነዊሕ ሓይልታት ጸጥታ ሊብያ ኣድሒኖሞም እኳ እንተዀኑ፡ ብዝቐልጠፈ ኻብ ሊብያ ኽወጹ እዮም ዝደልዩ።
መዓጹ ናይቲ ተዳጒኖምሉ ዝነበሩ ደፊኦም ብምውጻእ ካብ ወኪል ስድተኛታት ሕቡራት ሃገራት ናብ ካልእ ሃገር ንምግዓዝ ሓገር ክግበረሎም ጠሊቦም።
እቶም ስደተኛታት ካብቲ መዳጐኒ ወጺኦም ናብታ ካብቲ ዝነብርዎ 20 ኪሎሜተር ዝርሕቀታ ትሪፖሊ ተጓዒዞም።
ብዙሓት ናብ ኤውሮጳ ኽብገሱ ኸለዉ ወይ ድማ ኣብ ባሕሪ ዝተታሕዙ ስደተኛታት፡ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ክፍሊ ምዕጋት ዘይሕጋዊ ስደት ወይ ነናይ ከባቢኡ ሚሊሻ ኣብ ዘካይድዎም መዳጐኒ ማእከላት እዮም ዝዕጸዉ። እቲ ማእከላት ዝበዝሕ ግዜ ኣዝዩ ትሑት ደረጃ ዘለዎ፡ ልዕሊ መጠኑ ጻዕቂ ሰባት ዘዕለቕልቖ፡ ዘይእኹል መግቢ፡ ማይን መድሃኒትን ዘለዎ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ወርሒ ጥራይ፡ ኣይ ኦ ኤም ኣብ መዳጐኒ ማእከላት ናይ ዘለዉ ብዝሒ ስደተኛታት ቁጽሪ ዕጽፊ ኸምዝዀነ ይሕብር። ሓይልታት ጸጥታ ስደተኛታት ንምሻጥ ምስ ገበነኛታት ይተሓባበሩ ኸምዘለዉ ዝገልጽ ሓበሬታ ኣብ ሊብያ ድሕሪ ምዝርግሑ ብፍላይ፡ ስደተኛታት ብዝቐልጠፈ ነታ ሃገር ክገድፍዋ እዮም ዝደልዩ ዘለዉ።
እቶም ስደተኛታት ብሰንበት 12 ነሓሰ ንጻውዒቶም ኣቓልቦ ንምሃብ ተስፋ ብምግባር ነቲ ኣድማ ዘርኢ ተንቃሳቓሲ ስእሊ ኣብ ፈይስቡክ ዘርጊሖም።
ሓደ ኻብቶም ስደተኛታት ዝዀነ፡ ኣማን ተባሂሉ ዝተጸውዐ ኢትዮጵያዊ ስደተኛ ንፍራንስ24 ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ዝሓለፈ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ቓስር ቤን ቓሽር ዝተባህለ [ካብ ትሪፖሊ 25 ኪሎሜተር ንደቡብ ርሒቓ እትርከብ ዓዲ] ኢና ተዓጺና ኣሕሊፍናዮ፡” ኢሉ። ኣብ ፈለማ ግንቦት ኣብቲ መዳጐኒ ማእከል ምስበጽሑ ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር ከምዝበጽሕዎምን ኣስማቶም ከምዝወሰዱን ጠቒሱ፡ “ድሕሪኡ ግን ካብኣቶም ኣይሰማዕናን፡” ይብል።
“እቶም ጨወይቲ ናብ ኣሻየጥቲ ሰባት ይሸጡና ኔሮም። እቶም ሰባት፡ ብኤለክትሪክ እናሳቐዩና ተንቃሳቓሲ ስእሊ ወሲዶም ገንዘብ ክሰዱ ኽግድድዎም ናብ ኣዕሩኽትናን ቤተሰብናን ይሰድዎ ኔሮም። ካብ 1,000 ክሳብ 6,000 ዶላር ይሓቱ ኔሮም፡” ይብል ኣማን። “እቲ ዝኸፍአ ኸኣ እቲ ጸለቕ ምስተቐበልዎውን ዘይፍንዉና ምንባሮም እዩ፡” ይብል።
“ንሕና ኣብ ዝቐልጠፈ ኻብዚ ገሃነም ክንወጽእ ጥራይ ኢና ንደሊ፡ ድሕር’ዚ ንኸዶ ኣይግድሰናን እዩ። ስለዚ ኢና ዩ ኢነ ኤች ሲ ኣር ነቲ መስርሕ ኣቀላጢፎም ካብዚ ሃገር ከውጽኡና ንልምኖም ዘለና።”
ብደረጃ ዓለም ብድምር ናብ ካልእ ሃገር ክውሰዱ ናይ ዝደልዩ ስደተኛታት ቁጽሪ ነቲ ዘሎ ቦታታት ይበልጾ እዩ። ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር፡ ኣብ 2019 ናብ ካልኦት ሃገራት ክውሰዱ ናይ ዝደልዩ ስደተኛታት ቁጽሪ 1.4 ሚልዮን ክበጽሕ ምዃኑ ይግምት።
TMP – 07/09/2018
ስእሊ፦ ነቲ ናይ ብሰንበት 12 ነሓሰ ኣድማ ዘርኢ ኣብ ፈይስቡክ ካብ ዝተዘርግሐ ተንቃሳቓሲ ስእሊ ዝተወስደ ደረቕ ስእሊ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ