ቁጽሪ ኣብ መዳጐኒ ማእከላት ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ናብ ዕጽፊ ይዓቢ

ወኪል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ልዕሊ ዓቕሙ ዝቕበል ዘሎ መዳጐኒ ማእከላት ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ናብ ዕጽፊ ኸምዝዓበዩ ሓቢሩ።

ኢጣልያን ሊብያን ጃላቡ ኣስገርቲ ናብ ገማግም ኤውሮጳ ኸይበጽሓ ኣብ ዝኽልክላሉ ዘለዋ እዋን፡ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ባሕሪ ተዓጊቶም ኣብ መዳጐኒ ማእከላት ዝተሓዙ ዘለዉ ካብ 5,000 ናብ 9,300 ወሲኹ ኣሎ።

ኣብ 2018 ክሳዕ ወርሒ ሓምለ 11,980 ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ኽሰግሩ ተዓጊቶም ናብ ሊብያ ተመሊሶም ኣለዉ።

ኣፈኛ ወኪል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (ኣይ ኦ ኤም) ኣብ ሊብያ ክሪስቲን ፔትር ሰብመዚ ሊብያ ቅድሚ ውሑድ እዋን ሓያሎ መዳጐኒ ማእከላት ድሕሪ ምዕጻዎም ዕስራ ዝኸውን ይሰርሕ ከምዘሎ ትገልጽ። እቲ ዝተዓጽወ 34-35 ክበጽሕ ከምዝኽእል ክግለጽ ዝጸንሐ ክኸውን ከሎ፡ ብገለ ግምታት ክሳብ 42 ክበጽሕ ከምዝኽእል ይእመን። ፔትር “ዝበዝሐ ኻብዚ ማእከላት ኣብ ትሪፖሊ እዩ ዝርከብ፡” ትብል።

ዝበዝሑ ስደተኛታት ብቐንዱ ናብ ሓሙሽተ ልዕሊ መጠኑ” ዝመልእ ዘሎ “መዳጐኒ ማእከላት እዮም ዝውሰዱ ዘለዉ፡” ትብል ፔትር። ብመሰረት እታ ኣፈኛ፡ ምስቲ ናብ 35 ክሳብ 40 ደረጃ ሰልስዩስ ዝበጽሕ ጸፍዒ ሙቐት ኣብ ዝመጻሉ ዘሎ እዋን ሰብኣዊ ምቹእነት እቲ ማእከላት ኣዝዩ ለጠቕ ክብል ምዃኑ ትገልጽ።

ሓላፊ ኣይ ኦ ኤም ጨንፈር ሊብያ ዑሥማን በልበይሲ መርበባት ኣስገርቲ ዝያዳ ዝተወደበን ዝሓየለን ይኸውን ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ናብ ኤውሮጳ ዝጕዓዙ ስደተኛታት ምውሓዶም ምቕናስ ብዝሖም ዘይኰነ ኣብ መገዲ ተደርብዮም ከምዘለዉ ዘርኢ እዩ ይብል ብዛዕባ መኽንያት ምብዛሕ እቶም ኣብ መዳጐኒታት ሊብያ ዝበዝሑ ዘለዉ ስደተኛታት ክገልጽ ከሎ።

ኣይ ኦ ኤም ኣብዚ እዋን እዚ 662 ሽሕ ዝበጽሑ ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ኣብ ሓዲግ ተሪፎም ከምዘለዉን እዚ ኻብ ናይ ዓሚ ብዝሒ ናይ 40,000 ወሰኽ እዩ። ዕሽር ናይ ኩሎም እቶም ኣብዚ እዋን ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ትሕቲ ዕድመ ክዀኑ ኸለዉ፡ ፍርቆም ዘሰኒ ዘይብሎም እዮም።

ብመሰረት ኣይ ኦ ኤም፡ ክሳዕ ሕጂ ኣብዚ ዓመት 50,872 ስደተኛታት ኤውሮጳ በጺሖም ዘለዉ ስደተኛታት ትሕቲ ፍርቂ ናይቶም ክሳዕ ክፍላሓምለ ዝሓለፈ ዓመት ኣትዮም ዝነበሩን ሕምሲት ናይቶም ኣብ 2016 ዝኣተዉ 241,859 ስደተኛታትን እዮም።

“ኣብ ጥቓ ሊብያ ኣብ ባሕሪ ናይ ዝሞቱ ዘለዉ ሰባት ብዝሒ ኣዝዩ ዘሰክፍ እዩ፡” ይብል በልበይሲ። “ኣስገርቲ ነቲ ናይ ስደተኛታት ቅድሚ ዝኸፍእ መዕገቲ ምምጽኡ ክብገሱ ናይ ምድላይ ተርባጽ ይምዝምዝዎ ኣለዉ።”

ሎምዘበን ሰነ 3,136 ብማእከላይ ባሕሪ ኤውሮጳ ዝበጽሑ ስደተኛታት ብምምዝጋብ ካብ 2014 ናብ ኢጣልያ ናይ ዝወሓዙ ስደተኛታት ዝተሓተ ወርሓዊ ዋሕዚ ዝተመዝገበላ እያ። ቁጽሪ ኢጣልያ ዝበጽሑ ስደተኛታት ኣዝዩ እኳ እንተቕነሰ፡ ሰነ ኣብዚ ኣርባዕተ ዓመት ዝለዓለ ወርሓዊ ቑጽሪ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሞቱ ዝተመዝገበላ እያ። ኣብ ሰነ ጥራይ 564 ስደተኛታት ከምዝሞቱ ወይ ዝጠፍኡ ተመዝጊቡ ኣሎ።

TMP – 13/08/2018

ስእሊ፦ ኣይ ኦ ኤም። ኣብ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት ኣባላት ኣይ ኦ ኤም ኣብ ትሪፖሊ እናተኻነኽንዎም