290 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ሊብያ ካብ ምጥሓል ድሒኖም
ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣብ ሰለስተ ጃላቡ ኣብ ባሕሪ ተደርብዮም ዝነበሩ 290 ስደተኛታት ካብ ምጥሓል ከምዘድሓነ ሓቢሩ።
ንግሆ 23 ግንቦት 2019 ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ካብ ጥቓ እታ ካብ ትሪፖሊ 160 ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ ዝሊተን ዝተባህለት ከተማ ካብ ክልተ ናይ ተነፋሒ ጐማ ጃላቡ ናይ ረድኤት ጻውዒት ተቐቢሉ። ህይወት ዘድሕና ጃላቡ ደልየን ነተን ኣብ ሓደጋ ዝነበራ ጃላቡ ምስረኸብአን 203 ስደተኛታት ኣድሒነን።
ኣብቲ መዓልቲ ድሕሪ ቐትሪ ካልእ ናይ ረድኤት ጻውዒት ካብ ገማግም ትሪፖሊ 50 ኪሎሚተር ርሒቑ ኻብ ዝርከብ ከባቢ ካብ ባሕሪ ተላኢኹ። ታሕተዋይ ኣካል ናይታ ጃልባ ስለዝፈረሰ ገለ ኻብቶም ስደተኛታት ኣብቲ ዝተረፈ ዝብርባር ናይታ ጃልባ ተንጠልጢሎም ካልኦት ድማ ማይን ነዳድን ሒዙ ኣብ ዝተጻዕነ ናይ ነዳድን ማይን ጐማታት ሒዞም ክንሳፈፉ ጸኒሖም። ጃልባ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ሽዱሽተ ኣንስትን ሓደ ህጻንን ዝርከብዎም 87 ስደተኛታት ኣድሒና።
“እቶም ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብ ሕማቓትን ዝተሰብራን ጃላቡ ተንጠልጢሎም እዮም ጸኒሖምና። ብኽልተ ናይ ሓለዋ ባሕሪ ዘወርቲ ጃላቡ እዮም ድሒኖም፡” ይብል ኣፈኛ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ጀነራል ኣዩብ ቓስም። ጀርመናዊ ማሕበር ግብረሰናይ ሲ ዎች ውን ህይወት ንምድሕን እትዝምቢ ነፋሪቶም ነቲ ሰለስተ ህይወት ናይ ምድሓን ስርሒታት ከምዝተዓዘበቶ ይገልጹ።
እቶም ስደተኛታት ካብ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሶማልያ፡ ግብጺ፡ ጫድ፡ ኒዤር፡ ማሊ፡ ሴኔጋልን ባንግላዴሽን ዝተበገሱ እዮም። ናብ ምድሪ ምስበጽሑ እቲ ኣብ ከባቢ ትሪፖሊ ዝርከቡ ሓያሎ መዳጐኒ ማእከላት ዘካይድ ናይ ሊብያ በዓል መዚ ምቍጽጻር ዘይሕጋዊ ስደት ተቐቢልዎም።
ኣብቲ ዝተፈላለየ ኣብ ትሪፖሊ ዝርከብ መዳጐኒ ማእከላት ዝርከቡ ስደተኛታት ብ4 ሚያዝያ በቲ ኣብ ምብራቕ ሊብያ ዝመደበሩ ጀነራል ሓፍታር ኣብ ልዕሊ ትሪፖሊ ዝተኣወጀ ኲናት ካብ ዝጅምር ንደሓር ኣብ ማእከል ከቢድ ነውጺ ተቐርቂሮም እዮም ዘለዉ።
“ንስደተኛታት ኣብ ጥቓ ኸምዚ ዝኣመሰለ ወተሃደራዊ ቦታ ብምእሳር፡ ሰብ መዚ ሊብያ ነቶም ክከላኸሉሎም ዝግብኦም ስደተኛታት ናብ ሓደጋ የቃልዕዎም ኣለዉ፡” ትብል ናይ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ወኪል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ማግዳሌና ሙግራቢ።
“ዝከኣል ዘበለ ብምግባር ካብ ወተሃደራዊ ዒላማታት ክኣልይዎም ኣለዎም። እቲ ገለ ኻብቶም እሱራት ብዘይፍቓዶም ኣብ ወተሃደራዊ ቦታታት ምስርሖም ዝገልጽ ክስታት ኣህጉራዊ ሕግታት ከምዝተጣሕሰ ዘርኢ እዩ።”
TMP – 31/05/2019
ሰኣላይ፦ ሲ ዎች / ትዊተር
ስእሊ፦ ናይ ሲ ዎች ነፋሪት ሙንበርድ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ስርሒት ምድሓን ህይወት እናካየዱ ትዕዘብ
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ