ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ኣንጻር ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ዝወርድ ዓመጽ ይሓብሩ
በቲ ኣብ ሊብያ ኣብ ልዕሊ ዝተዓግቱ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝወርድ መጠን ዘይብሉ ግፍዒ ዝተቘጥዑ ወከልቲ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ልዕሊ 200 ኤርትራውያን ኣባላትን ኣፈኛታትን ኣብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክግዕዙን ዳግም ክጣየሱን ክግበር፡ ከምኡ ድማ ድሕነቶም ክረጋገጽ ጻውዒቱ ኣቕሪቡ።
እቶም ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ኤርትራውያብ ካብ 12-14 ታሕሳስ 2018 ኣብ ብራስለስ፡ በልጁም “ንሕና ህዝቢ፡ ሰላም ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ድሕነትን መጻእን ህዚ ኤርትራን” ኣብ ዝተጸውዐ ዋዕላ እዮም ተጋቢኦም። ብዛዕባ እቲ ኣብ ሊብያ ዘጋጥም ጸለቕ ንምኽፋል ብጅሆ ምትሓዝ፡ ምዝመዛን ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ብዙሓት ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣጥቢቖም ዘትዮም። ምስ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝሓሸ ምትሕግጋዝ ምግባርን ኣብ ኤርትራ ሕዳሰ ምርኣይን ካብቶም ነዚ ሽግር ንምዕጋት ዝቐረቡ ናይ እማመ ሓሳባት እዮም።
ኣብ ኢጣልያ ስደተኛ ዀይኑ ዝነብር ኣብርሃለይ ተስፋይ ብኹነታት ናይቶም ኣብ ሊብያ ብዘይተስፋ ዝተረፉ ቤተሰቦም ዓቕሊ ዘጽበቡ ኤርትራውያን ኣዘውቲሮም ዝድውሉሉ ጻውዒታት ይቕበል። “ካብ ሊብያ ዝመጸ ኣስካሕካሒ ተንቃሳቓሲ ስእልታት ዝማህመኑ፡ ዓጸቦ ዘሳቕዮም፡ ክንክን ሕክምና ዝተኸልከሉ፡ ብርቱዕ ግፍዒ ዝወረዶም፡ ብተደጋጋሚ ዝተጨውዩን ኣሽሓት ኤውሮ በጃ ኽኸፍሉ ብጸለቕ ዝተታሕዙን ርእየ እየ። ብቕልጡፍ ክግዕዙ ኣለዎም፡” ድማ ይብል።
ፍሉጥ ኤርትራዊ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ዝዀነ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ፡ “ኤውሮጳ ነዞም ኣብ መዳጐኒታት ሊብያ ተዓጽዮም ኣብ ቀጻሊ ሓደጋ ዘለዉ ስደተኛታት ኣዒንታ ኽትዕምተሎም ኣይትኽእልን እያ። ነዞም ብዙሓት ዘሰኒ ዘይብሎም ህጻናት ዝርከብዎም ልዕሊ 10,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብቲ ቦታ ንምልቃቕን ናብ ድሕነትን ክብረትን ዘለዎ ቦታ ንምምጽኦም ዘኽእል ፍታሕ ብቕልጡፍ ክርከብ ኣለዎ፡” ብምባል ቀጥታዊ መልእኽቲ ኣሕሊፉ።
ድሕሪ እቲ ዋዕላ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ “ኤርትራን ኢትዮጵያን ፖለቲካዊ ምሕዝነት ኣሐዲሰን ክነሰን፡ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ገና ኣብ ኤርትራ ይቕጽል ብምህላዉ ከም ውጽኢቱ ዋሕዚ ካብ ሃገሮም ዘምልጡ ኤርትራውያን ይቕጽል ኣሎ፡” ኢሉ። ናብ ኢትዮጵያ ዶብ እናሰገሩ፡ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ብዝሒ እዮም ኤርትራውያን ሃገሮም ገዲፎም ብእኡ ኣኢሎም ናብ ሊብያ በጺሖም ማእከላይ ባሕሪ ንምስጋር ዝስደዱ ዘለዉ። ብመሰረት ማእከል ምውህሃድ መልሲ ህጹጽ ረድኤት፡ ካብቲ ብ11 መስከረም ዶብ ዝተኸፍተሉ 24,000 ኤርትራውያን ኣብ ዶብ ተመዝጊቦም ኣለዉ።
ነቲ ዋዕላ ኣብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያን ዝተሳተፍዎ ኣፍሪቃውያን መራሕቲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኤርትራን ኣብ ሊብያን ዘሎ ኹነታት ዘለዎም ስክፍታ ገሊጾም። “ኣብ ዝሓለፈ ኽልተ መዓልቲ ብዙሓት ስደተኛታት ክዛረቡ ሰሚዐ። ዛንታታቶም ንምስምዑ ዘስካሕክሕ እዩ፡” ይብል ብረቡዕ ነቲ ዋዕላ ዝኸፈቶ ምክትል ፕረሲደንት ሕብረ-ኣፍሪቃዊ ባይቶ ቺፍ ፎርቹን ቻሩምቢራ። “ምስክርነታቶም ኣብ ኣፍሪቃ ዘመናዊ ባርነት ከምዘሎ ዘርኢ እዩ። ኣብ ኣፍሪቃ ዘመናዊ ባርነት ከይህሉ ዓቕምና ዘፍቅዶ ዘበለ ኽንገብር ኣለና።”
ኤርትራውያን ዓቢ ኽፋል ናይቶም ኣብ 2018 ኣብ ምሉእ ዓለም ኣብ መገዲ ስደት ዝሞቱ 4,500 ሰባት የቝሙ። ብመሰረት ኣህጉራዊ ውድብ ስደት፡ ገለ ኻብቶም ቀንዲ መኽንያታት ሞት ኣብ ጉዕዞ ስደት ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ባሕርን፡ ጽምኢ፡ ጥሜት፡ ሓደጋታት መካይን፡ መጠኑ ዝሓለፉ ኣካላዊ ማህሰይቲ፡ ሕማምን ስእነት መድሃኒትን፡ ምጥሓል፡ ጥልመት ልብን ዘደንዝዝ ዛሕልን እዮም።
TMP – 11/01/2019
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ