ርዋንዳ ኣማኢት ካብ’ቶም ኣብ ሊብያ ተዓጊቶም ዝርከቡ ስደተኛታት ኸተዕቊብ ትምድብ

ኣማኢት ካብቶም ኣብ ሊብያ ኣብ መዳጎኒ መዓስከራት ዝሳቐዩን ብነፈርቲ ዝድብደቡን ዘለዉ ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ኽግዕዙ ኸምዝኽእሉ ይግለጽ ኣሎ። መንግስቲ ርዋንዳ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ብሓባር ብምስራሕ ኣስታት 500 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ርዋንዳ ንምግዓዝ ምድላዋት ይገበር ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

እቲ መደብ ኣካል ናይ ብድሕሪ ኣብ መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ታጁራ ዝተፈጸመ ህይወት ዓሰርተታት ስደተኛታት ዝወሰደ ደብዳብ ነፈርቲ ዝስረሓሉ ዘሎ ስደተኛታት ካብ ሊብያ ብህጹጽ ናይ ምውጻእ ገዚፍ ዕማም ከምዝኾነ እዩ ዝንገር።

ምግዓዝ እቶም ኣማኢት ስደተኛታት መዓስ ከምዝካየድ ዝተዋህበ ንጹር ዕለት ዛጊት የለን። ሓላፊ ጉዳያት ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ርዋንዳ ዝኾነ ኣምባሳደር ኦሊቨር ንዱንቺረ ንጋዜጠኛታት ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ መስርሕ ምግዓዝ ዛጊት ይዝተየሉ ከምዘሎ ኣነጺሩ።

“ 500 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ርዋንዳ ንምግዓዝ ዘኽእለና ናይ መረዳድኢ ሰነድ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃን እዋናዊ መንግስቲ ሊብያን ንዝትየሉ ኣለና፡ይብል እቲ ርዋንዳዊ ኣምባሳደር።

ንሱ ወሲኹ፡ ሃገሩ ተዓዛቢት ጉጅለ ናብ ሊንያ ኽትሰድድ ከምዝኾነት ኣፍሊጡ ኣሎ።

መደበር ቴሌቪዥን ሲኤንኤን ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2017 ስደተኛታት ከም ባራዩ ኣብ ቃልዕ ዕዳጋታት ሊብያ እንዳተሸጡ ዘርእይ ስእሊ ድሕሪ ምዝርጋሓ፡ መንግስቲ ርዋንዳ ኣስታት 30,000 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ሃገሩ ክቕበል ተመባጺዑ ምንባሩ ይዝከር።

ፕረዚደንት ርዋንዳ ፖል ካጋመ ኣብ ግዜ ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣብ ሊብያ ዘሎ ተስፋ ዘቚርጽ ኩነታት ከምዝኾነ ሃገሩ ድማ ነቶም ኣብ ሊብያ ተዓጊቶም መውጽኢ ዘናድዩ ዘለዉ ኣፍሪቃውያን ኽትቅበልን ኸተዕቊብን ድልውቲ ምዃና ገሊጹ ነይሩ።

ሃገረ ኒጀር ዛጊት 2,900 ኣብ ሊብያ ካብ ዝተዓግቱ ስደተኛታት ተቐቢላ ከምዘዕቖበት ዝግለጽ ኮይኑ፡ ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት እውን ተመሳሳሊ ስጒምቲ ክወስዳ እዩ ጻውዒት ኽግበር ጸኒሑ።

ካብ ሊብያ ንዝመጽእ ልዑል ቊጽሪ ስደተኛታት ንምግታእ ኣብ ዘኽእል ሓባራዊ ባይታ ዛጊት ኽበጽሓ ዘይከኣላ ዘለዋ ኣባል ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ እቲ ሕብረት ኣብ ሊብያ ተዓጊቶም ዘለዉ ስደተኛታት ናብ ዝሓሸ ውሕስነት ዘለወን ሃገራት ኣፍሪቃ ንምግዓዝ ኣብ ዘኽእል መደብ ክሰርሕ ጸቕጥታት ኣብ ምግባር ይርከባ።

TMP – 29/08/2019

ስእሊ፥ euractiv.com

ስደተኛታት ኣብ ሓደ ካብ መዳጎኒ ማእከላት ሊብያ