መራሕቲ ኣባላት ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ምስ ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃ ብጉዳይ ስደት ክወዓዓሉ ይደልዩ
መራሕቲ ኣባላት ሃገራት ኤውሮጵእዊ ሕብረት ምስ ከም ግብጺ፡ ቱኒዝያ፡ሞሪኮን ሊብያን ዝኣመሰላ ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ስደት ክዘራረቡ ድልዋት ምህላዎም ገሊጾም። እዚ ዝተገልጸ እቶም መራሕቲ ኣብ ኦስትርያዊት ከተማ ሳዝበርግ ካብ 19 ክሳዕ 20 መስከረም ድሕሪ ምግባኦም እዩ።
ውዕል ኤውሮጵእዊ ሕብረት-ቱርኪ ከም መርሓ ተወሲዱ ነቲ ውዕል ዝመሳሰል ጽምዶ ምስ ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃ ክትግበር ኣገዳሲ ምዃኑ ዝገለጸት ጀርመናዊት መራሒት ቻንችለር ኣንገላ መርከል፡ ውዒሉ ሓዲሩ ከምዚ ዝኣመሰለ ውዕል ዘድሊ ከምዝኾነ ምስ ሬድዮ ዶቸ-ቬለ ኣብ ዘካየደቶ ቃለ-ምልልስ ኣተሓሳሲባ።
ውዕል ኤውሮጳዊ ሕብረት-ቱርኪ ኣብ 2016 ተበጺሑ ዝስረሓሉ ዘሎ ኮይኑ፡ ብመሰረት እቲ ውዕል – ቱርኪ ነቶም ኣብ ግሪኽ ኣትዮም ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ኣወታዊ ምላሽ ዝስእን ሓደስቲ ስደተኛታት ክትቅበልን ብናይ ቢልዯናት ኤሮ ገንዘባዊ ሓገዝ ድማ ነቶም ኣዕቚባቶም ዘላ ልዕሊ 3.5 ሚልዮን ስደተኛታት ክትናቢን እያ ትግደድ ።
ቻንስለር መርከል ምስ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ (ኤ.ኤፍ.ፒ) ኣብ ዘካየደቶ ቃለ-ምልልስ’ውን፡ “ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ዝረአ ዘይሕጋዊ ዋሕዚ ስደት ዝሓሸ ቊጽጽር ንኽህልዎ ልክዕ ከምቲ ምስ ቱርኪ ዝኣተዎ ውዕል ምስ ሃገራት ሰሜና ኣፍሪቃ ክሰርዕ ኣለዎ!” ኢላ ።
ኤውሮጳዊ ሕብረት ድሕሪ ምስ ቱርኪ ምውዕዓሉ፡ ስደተኛታት ኣብ መስመር ሰሜን ኣፍሪቃ-ኤውሮጳ ዘሎ ሓደገኛ ጉዕዞ ባሕሪ ክጥቀሙ ክግደዱ ምዃኖም እዮም ስግኣቶም ገሊጾም ዝነበሩ። እዚ ኤውሮጳዊ ሕብረት ምስ ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃ ክኣትዎ ተበጊሱ ዘሎ ውዕል ድማ ብመሰረቱ ነቲ ሓደገኛ መስመር ዘይሕጋዊ ስደት ንምዕጻው እዩ።
ኤውሮጳዊ ሕብረት ምስ ከም ሊብያ ዝኣመሰላ ቀንዲ መተሓላለፍቲ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ብተናጽል ክዘራረብን ክተሓጋገዝን ምጽንሑ ይፍለጥ ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ናይ’ዚ ዓመት፡ እቲ ሕብረት ንኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ገንዘባውን ዓይነታውን ሓገዝት ብምሃብ እተን ኣሃዱታት ኣብ ምዕጋት፡ ምድሓንን ምምላስን ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ክዋስኣ ዘገድድ ውዕል ምኽታሙ ይዝከር። ከም መርኣያ ናይዚ፡ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣብ 2018 ጥራይ ዛጊት ልዕሊ 10,000 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ዓጊቱ ናብ ሊብያ ክመልሶም ክኢሉ ኣሎ።
ፕረዚደንት ባይቶ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዶናልድ ታስክን ቻንስሎር ኦስትርያ ሳባስትያን ኩርዝን ምስ ግብጻዊ መራሒ ዓብዱልፋታሕ ሲሲ ኣብ ወርሒ መስከረም ናይዚ ዓመት ንኻልኣይ ግዜ ተራኺቦም፡ ዘይሕጋዊ ስደት ንምግታእ ኣብ ዘኽእሉ ኣማራጺታት ከምእተመያየጡ’ውን ኣይርሳዕን።
መራሕቲ ኣባላት ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ብተወሳኺ ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይ ዝመጽእ ዓመተ 2019 ፡ ምስ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ብጉዳይ ዘይሕጋዊ ስደት፡ ቊጠባን ጸጥታን ዝዘራረቡሉ ዋዕላ መዲቦም ከምዘለው እውን ይግለጽ።
TMP – 27/09/2018
ስእሊ፡ ኣሌክሳንድሮ ሚካይሊዲስ/ Shutterstock.com./። መራሒት ጀርመን ኣንገላ መርከል ድሕሪ ኣብ ከተማ ሳልዝበርግ ናይ ኦስትርያ ዝተኻየደ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ጋዜጣዊ ዋዕላ እንዳካየደት።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ