ኣብ 2018 ሞት ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ልዕሊ 2,000 በጺሑ

ህይወት 17 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብ 5 ሕዳር ኣብ ማእከላይ ባሕር ድሕሪ ምጥፋኡ፡ ዛጊት ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ኣብ’ቲ ማያዊ ኣካል ናይ ዝጥፍአ ህይወት ስደተኛታት ልዕሊ 2,000 ክበጽሕ ምኽኣሉ ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ኣብ’ዚ ዓመት ዛጊት 105,000 ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ኤውሮጳ ኣትዮም ኣለው። እዚ ኣሃዝ ካብ’ቲ ኣብ 2014 ዝተመዝገበ ብዝሒ ትሕት ዝበለ’ኳ እንተኾነ፡ ብመጠን ኣብ’ዚ ዓመት ዝኣተወ ብዝሒ ስደተኛታት እቲ ዝጠፍአ ህይወት ወሰኽ ኣመዝጊቡ ከምዘሎ እዩ እቲ ላዕለዋይ ወኪል ስደተኛታት ዝሕብር።

“ማእከላይ ባሕሪ ንሓያሎ ዓመታት ካብ ቀዘፍቲ ህይወት ስደተኛታት ዝኾኑ መስመራት ኾይኑ ይቕጽል ኣሎ። እዚ ኩነታት ከምዚ’ሉ ክቕጽል ብመሰረቱ ቕቡል ኣይኮነን፡” ይብል ወሃብ-ቃል ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ኣቶ ቻርሊ ያዝሊ ብ 6 ሕዳር ኣብ ከተማ ጀኔቭ ናይ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ። ንሱ ወሲኹ፡ ኣህጉራዊ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት እዚ ኣሰካፊ ተርእዮ መሰረታዊ ፍታሕ ክናደየሉ ደጋጊሙ ክጽውዕ ምጽንሑ ኣዘኻኺሩ።

ልዕሊ ፍርቂ ኻብ’ቶም ኣብ’ዚ ዓመት እዚ ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ዘለዉ ስደተኛታት ናብ ስጳኛ እዮም ኣትዮም። ብመሰረት ጸብጻብ ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ፡ 53,000 ስደተኛታት ናብ’ታ ሃገር ኣትዮም ኣለው። እቲ ኣሃዝ ዕጽፊ ናይቶም ብጠቕላላ ናብ ጥልያንን  ግሪኽን በጺሖም ዘለዉ ስደተኛታት እዩ። ልዕሊ ፍርቂ ኻብ’ቲ ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ጠፊኡ ዘሎ ህይወት 2,000 ስደተኛታት ግና ኣብ ማያዊ መስመር ሊብያ-ጥልያን ዝተመዝገበ ምዃኑ እዩ ጸብጻብ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (ኣይ.ኦ.ኤም) ዘረድእ። ኣብ’ቲ ማያዊ መስመር ዝሰዓበ ሰብኣዊ ጉድኣት መሰረታዊ ጠንቁ ፡ ሓድሽ የማናዊ መንግስቲ ጥልያን ናብ ሃገሩ ዘብል ዋሕዚ ንምግታእ ዝኽተሎ ዘሎ ተሪር ኣተሓሕዛ ከምዝኾነ ይግለጽ። ከምዝዝከር ጥልያን ካብ 26 ነሓሰ ናይ’ዚ ዓመት ወደባታ ነተን ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ምድሓን ሂወት ዝነጥፋ መራኽብ ዕጹው ገይራቶም’ያ

ዝኾነት ኣብ ኮለላን ምድሓን ህይወትን ክትወፍር ብቕዓት ዘለዋ መርከብ ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ንዝወደቑ ስደተኛታት ክትረድእ ኽፍቀደላ ኣለዎ፡” ይብል ወሃብ-ቃል ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ኣቶ ያዝሊ። ንሱ ወሲኹ፡ “ላዕለዋይ ወኪል  ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት በቶም ኣብ ልዕሊ’ተን ኣብ ኮለላን ምድሓን ሂወትን ዝነጥፋ መራኽብ ዘውፍራ ናይ ግብረ-ሰናይ ኣካላት ጸኒዖም ዘለው ሕጋውን ሎጂስቲካውን ቀይድታት ቀጻሊ ስክፍታኡ ኣብ ምግላጽ ይርከብ። እቶም ቀይድታት ኣብ ማእከላይ ከባቢታት ማያት ማእከላይ ባሕሪ ዘስዕብዎ ዘለው ውህሉል ጽልዋ ድማ ንርእዮ ኣሎና።”

ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ምድሓን ሂወት ስደተኛታት ዝገብሮ ዘሎ ኣስተዋጽኦ ዝሞገሰ ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት፡ እቲ ሓለዋ ባሕሪ ኣብ ኣህጉራዊ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ዝሕዞም ስደተኛታት ናብታ ጸጥታኣ ወዲቑ ንስደተኛታት ዘይውሕስቲ ኾይና ዘላ ሊብያ ኽመልሶም ከምዘይግባእ ግና ኣተሓሳሲቡ። ኣህጉራዊ ማያት ኪንዮ’ቲ ን 22.22 ኪ.ሜ ዝዝርጋሕ ማያዊ ግዝኣት ሓንቲ ማያዊ ክፍሊ እትውንን ሃገር ዘሎ ከባቢ እዩ።

TMP – 16/11/2018

ስእሊ፥ MOAS.eu.  ካብ ገማግም ሊብያ ነዊሕ ከየርሓቚ ኣብ ሓደጋ ዝወደቚ ስደተኛታት ።