ኢጣልያ ኣንጻር ዘይህጋዊ ስደት ኣብ ምቅላስ ዝሕግዛ መካይን ንቱኒዝያ ወፍያትላ

መንግስቲ ኢጣልያ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ስደት ኣብ ምቅላስ ዝሕግዛ 50 ናይ በረኻ መካይን ንቱኒዝያ ወፍዩላ።

እተን 50 መካይን ካብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ናብ ሃገራዊ ሓለዋ ቱኒዝያ ዝተወፈያ እየን። ሃገራዊ ሓለዋ ቱኒዝያ ዶባት ዝከታተልን ዘይሕጋዊ ስደት ዝቈጻጸርን በዓል መዚ እታ ሃገር እዩ።

እቲ ወፈያ “ክፋል ናይቲ ኣብ መንጎ መንግስታት ቱኒዝያን ኢጣልያን ናይ ዘሎ ውጽኢታዊ ናይ ስርሒታትን ናይ ጸጥታን ምትሕግጋዝ ኰይኑ፡ ካብ ናይ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ማዕከን ኣፍሪቃ ብዝተረኽበ ገንዘብ እዩ ክኸውን ክኢሉ፡” ይብል ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ማቴዮ ሳልቪኒ፡ “ኣብ ቀረባ ግዜ ካልእ ጭቡጥ ተበግሶታት ክህሉ እዩ። ኣብ ኣህጉራዊ መደብ ውን ካብ ቃላት ናብ ግብሪ ንኸይድ ከምዘለና ነርኢ ኣለና፡” ኢሉ። ኤምባሲ ኢጣልያ ኣብ ቱኒዝያ ንምርኽኻብ እተን መካይን ኣብ ጉዳያ ምቍጽጻር ዶባት እታ ሃገር ብምብርካት ዘመስክር መርኣያ ደገፍ ኢጣልያ ኣብ ጉዳይ ድሕነት ቱኒዝያ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ ጥቅምቲ ብሳልቪኒ ዝተመርሐ ልኡኽ፡ ብዛዕባ ምውሳኽ ብዝሒ ተመለስቲ ሕቶ ዑቕባ ዝተነጽጎም ቱኒዝያውያንን ምቕናስ ብባሕሪ ናብ ኢጣልያ ዝኣትዉ ስደተኛታትን ክዘራረብ ናብ ቱኒዝ ተጓዒዙ ኔሩ። ኣብቲ ምብጻሕ ኢጣልያ ንቱኒዝያ ቑጠባዊ ደገፍ ክትገብረላ፡ ኣምሳያኡ ድማ ቱኒዝያ በታ ሃገር ኣቢሉ ናብ ማእከላይ ባሕርን ኤውሮጳን ዘምርሕ ዋሕዚ ስደተኛታት ኣብ ምዕጋት ዝሓየለ ጻዕሪ ኸተካይድ ዘፍቅድ ስምምዕ በጺሑ።

ከም ክፋል ናይቲ ኣብቲ እዋን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ሳልቪኒ ሃገሩ ክልተ ኣብ ምሕላው ማያት ዝሕግዛ ዓበይቲ ጃላቡን ኣርባዕተ ተወሰኽቲ ጃላቡን፡ ምስናይ ናይ ራዳር መሳርሒታት፡ ኣብቲ ዝስዕብ ኣዋርሕ ንቱኒዝያ ኽትህባ ምዃና ተማባጺዑ። ብተወሳኺ ኢጣልያ ንፖሊስ ቱኒዝያ ኣብ ምስልጣን ክትደጋገፍ ምዃና ተማባጺዑ።

ኢጣልያ ኣብ 2018 ምስ ሊብያ ተመሳሳሊ ስምምዕ ብምብጻሕ ንሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ጃላቡን ስልጠናን ቀሪባትሉ። ከም ኣምሳያ እቲ ደገፍ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ዝጕዓዙ ዝነበሩ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዓጊቱ የድሕን። ኣብ 2018፡ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ 15,000 ስደተኛታት ዓጊቱ ናብ ሊብያ መሊሱ

TMP – 26/03/2019

ስእሊ፦ ስደተኛታት ኣብ ገማግም ጀኖዋ፡ ኢጣልያ ኣብ ቴንዳታት ይቕመጡ። (ሻተርስቶክ)