ኣማኢት ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ መዕርፎ ነፈርቲ ፓሪስ ኣዲሞም

ኣማኢት ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ መዕርፎ ርእሰኸተማ ፈረንሳ ተኣኪቦም ኣንጻር ምጥራዝ ካልኦት ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣዲሞም።

እቶም ካብ ፈረንሳ ዝጥረዙ ዝነበሩ ስደተኛታት ሕቶኦም ዝተነጽገ ሓተትቲ ዑቕባ ወይ ድማ ብመሰረት ሕጋገ ዳብሊን ናብታ ኣብ ኤውሮጳ ፈለማ ዝረገጽዋ ሃገር ዝምለሱ ዝነበሩ ስደተኛታት እዮም። ብኹለን ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ ዝተኸተመሉ ሕጋገ ዳብሊን፡ ስደተኛታት ኣብታ ፈለማ ዝረገጽዋ ኣባል ሕብረት ኤውሮጳ ጥራይ ዑቕባ ኽሓቱ ኸምዝኽእሉ ዘመልክት እዩ።

እቶም ኣደምቲ መንግስቲ ፈረንሳ ሕጋዊ ዑቕባ ክህቦምን ስድራቤቶም ናብ ፈረንሳ ኸምጽኡ ኸፍቅደሎምን እዮም ዝጠልቡ ኔሮም። ኣብ ትዊተር ዝተለጠፈ ተንቃሳቓሲ ስእሊ 500 ዝዀኑ ስደተኛታት ኣብ ካልኣይ መዋፈሪ ናይቲ መዕርፎ ነፈርቲ ሻርል ጎል እናጨደሩ፡ ልዕሊ ዓሰርተ ዝዀኑ ናይ ስርሒት ዕጥቂ ዝዓጠቑ ፖሊስ ንምንቅስቓሳቶም ይካታተልዎ ኔሮም።

ተሳተፍቲ ናይቲ ሻፔል ደቡ ዝተወደበ ኣድማወረቓቕቲ ንኹሉ ሰብ!” እናበሉ ተሳኢሎም ኣለዉ።

ብመሰረት ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ክሪስቶፍ ካስታነር፡ 14,859 ሰባት ኣብቲ ኣብ መንጎ 2017 2018 ዝነበረ ቁጽሪ ተጠረዝቲ 20 ሚእታዊት ዝዓበየሉ ግዜ ናብ ሃገራቶም ከምዝምለሱ ዀይኖም።

እቶም ኣደምቲ ኣብ ዘቕረብዎ ወግዓዊ ቓል፡ ብዛዕባ ኣገባብ ምሕደራ ጉዳይ ዑቕባ ብዝምልከት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈረንሳ ኢድዋር ፊሊፕ ክራኸቡ ሓቲቶም። ብተወሳኺ ምስ ኤየር ፍራንስ ነቲ መገዲ ኣየርኣብ ምጥራዝ ስደተኛታት ዝዀነ ይኹን ገንዘባዊ፡ ንጥረነገራዊ፡ ዕጥቃውን ፖለቲካውን ተሳትፎ፡ከየርኢ ኽሓትዎ ክራኸቡ ሓቲቶም።

ወካሊ ኤየር ፍራንስ ጸኒሑ ምስቶም ኣደምቲ ተራኺቡ ንመረረታቶም ናብ ሓለፍቲ እቲ መገዲ ኣየር ጽሖ ምዃኑ ገሊጹ።

ሓደ ኣብኡ ዝተሳተፈ ስደተኛ እቲ ኣድማ ናይ መወዳእታ ከምዘይከውን ኣጠንቂቑ።ንኤየር ፍራንስ በጺሕምናዮም ኣለና፡ ካልኦት ድማ ኽስዕቡ እዮም፡ይብል።

እቲ ኣድማ ነቲ መዋፈሪ ኣዕጽይዎ እኳ እንተነበረ ነቲ መዕርፎ ነፈርቲ ዝካይድ ትካል ግና በረራታት ከምዘይተቛረጸ ኣፍሊጡ።

TMP – 10/06/2019

ሰኣላይ፦ ኮሌክቲፍ ሻፔል ደቡ / ፈይስቡክ

Photo caption: ስደተኛታት ኣብ ፓሪስ ኣብ ብመዕርፎ ነፈርቲ ሻርል ጎል እናኣደሙ