ልዕሊ 10,000 ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ናብ ኢትዮጵያ

ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብ 11 መስከረም ካብ ዝኽፈት ዛጊት ልዕሊ 10,000 ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ሰጊሮም ዑቕባ ከምዝሓተቱ ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። ምኽፋት ዶባት፡ ብዘይካ’ቲ ናብ ኢትዮጵያ ዝንህር ዘሎ ዋሕዚ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ፡ ንከባቢ 20 ዓመታት ተፈላልየን ዝጸንሓ ስድራቤታት ክራኸባ ዕድል ፈጢሩ ከምዘሎ እዩ ዝንገር።

ድሕሪ’ቲ ኣብ 1998 ዝተወልዐ ዶባዊ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ዶባት ክልተኤን ሃገራት ብምዕጻው፡ ናብ ኢትዮጵያ ዝውሕዙ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ንኣሰጋገርቲ ልዑል መጠን ገንዘብ እዮም ክኸፍሉ ጸኒሖም። ስለዝኾነ፡ ሓያሎ ኤርትራውያን ስደተኛታት ነቲ ኣብ’ዚ እዋን እዚ ኣብ ዶባት ተፈጢሩ ዘሎ ነጻ ምንቅስቓስ ከም ዓቢይ ዕድል ወሲዶም ካብ ሃገሮም ወጺኦም ኣብ ኢትዮጵያ ዑቕባ ክሓቱ ይረኣዩ ኣለው።

ድሕሪ 10 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዝርከብ በዓል-ቤታን ክልተ ደቃን ዝተራኸበት ሓረጉ ዝስማ ኤርትራዊት ‘ባይቶ ስደተኛታት ኖርወይ’ ንዝተባህለ ናይ ግብረ-ሰናይ ማሕበር ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ስድራቤታ ምስ ረኸበት ዝተሰመዓ ሓጎስ ክትቆጸጸሮ ከምዘጸገማ’ዩ።

ሓያሎ ካብ’ቶም ኣብ ኢትዮጵያ ክዑቆቡ ዝውሕዙ ዘለው ኤርትራውያን ሓደስቲ ስደተኛታት ግና ብመንገዲ’ተን ስደተኛታት ዝምዝግባ ናይ መቐበሊ ማእከላት ክሓልፉ ይመርጹ ከምዘየለው’ዩ ዝሕበር ዘሎ። ገለ ሓደስቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ን መጽሄት ዘ-ጋርድያን ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሰግሩሉ ኣብ’ተን ኣብ ዶባት ዘለዋ መመዝገቢ ማእከላት ስሞምን ኩነታቶምን ክስንዱ ከምዘይ-መርጹ፡ ቀንዲ ምኽንያት’ዚ ድማ ኣብ’ተን መመዝገቢ ማእከላት ብኣካል እንተተረኺቦም ናብ ኤርትራ ኽጥረዙ’ዮም ዝብል ጽንጽንታታት ስለዘሎ ምዃኑ ኣረዲኦም። ከምዝፍለጥ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ሞንጎ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ዝርዝራዊ ነጥብታትን መብርሂን ካብ ክልትኦም መንግስታት ዛጊት ኣይተዋህበን ዘሎ።

መንስግቲ ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣትዪዎ ብዛዕባ ዘሎ ስምምዕ ዝኾነ ኣፍልጦ ስለዘይብልና፡ ናይ ስደተኛ መሰልና ከይሕከኽ ልዑል ስግኣት ኣሎና፡” ይብል ናብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝኣተወ ኤርትራዊ መምህር ንመጽሄት ዘ-ጋርድያን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ።

ብፍላይ እቶም ቅድሚ ዶባት ምኽፋቱ ብስግረዶም ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተው ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ነውጺ ወዲቖም ምህላዎም ይግለጽ። ገለ ስደተኛታት ኣብ ኡጋንዳ ንዝመደበሩ ኤርትራዊ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ‘ኣፍሪቃ ሞኒቶርስ’ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እቶም ኣቐዲሞም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተው ኤርትራውያን ስደተኛታት በዚ ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ከይጉዱኡ ኣብ ልዑል ስግኣት ከምዝርከቡ ይገልጹ። ገለ’ውን ንኣሰጋገርቲ ክሳዕ 2,000 ዶላር ኣሜሪካ ብምኽፋል ናብ ኬንያ ወይ ኡጋንዳ ይግዕዙ ኣለው።

ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብሮ ከምዘሎ ግን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንድሕነትን ውሕስነትን ስደተኛታት ተኺሉ ይሰርሕ ከምዘሎ’ዩ። ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትው ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት ውሕስነቶም ክረጋገጸሎምን ካብ ዝተፈላለያ ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምኡ’ውን ዘይመንግስታውያን ኣካላት ሓገዛት ክረኽቡን እንተኾይኑ ግን ኣብ’ተን ኣብ ዶባት ዝርከባ መቐበሊ ማእከላት መንግስቲ ኢትዮጵያ ክምዝገቡ ከምዝግባእ እቲ ኣህጉራዊ ወኪል ይመክር።

ኣብ’ታ ብብዝሒ ኣዕቚባቶም ዘላ ስደተኛታት ኣብ ኣፍሪቃ ካልኣይ ደረጃ ሒዛ ዘላ ኢትዮጵያ 175,000 ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 932,000 ስደተኛታት ከምዘለው ሰነዳት ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።

TMP – 23/10/2018

ስእሊ፥ ባይቶ ስደተኛታት ኖርወይ(ኤን.ኣር.ሲ)። ሓደስቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መቐበሊ ማእከል እንዳባ-ጉና ምዝገባ እንዳተጸበዩ።