ኢትዮጵያዊ ተመላሲ ኣብ ዘይስሩዕ ጉዕዞ ስደት ዝጎነፎ ጸገም የዘንቱ

ካብ ስደት ዝተመልሰ ኢትዮጵያዊ መንእሰይ ብሩክ ዘይስሩዕ ጉዕዞ ስደት ዘለዎ ሓደጋታት ኣካፊሉ።

በሩክ ኣብቲ ብምትሕብባር ኣህጉራዊ ውድብ ስደትን ኬንያዊ ናይ ብሕቲ ዩኒቨርሲቲን ኣብ ከተማ ናይሮቢ ዝተወደበ ሳልሳይ ዝርርብ ስደት ንዝተረኽቡ ተሳተፍቲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምብጻሕ ዝካየድ ዘይስሩዕ ጉዕዞ ኣዚዩ ሓደገኛን ኣኽሳሪን ምዃኑ ኣረዲኡ።

ብሩኽ ካብ ገዝኡ ወጺኡ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝመድቦ ስደት ቅድሚ ምዕዋቱ ኣብ ዛምብያ ተታሒዙ ንከባቢ 6 ዓመት ከምዝተኣስረ ይገልጽ።

ስድራ ብሩኽ ንመደብ ወዶም ንምዕዋት ከባቢ 3,000 ዶላር ኣሜሪካ ካብ ኣዝማዶም ከምእተለቅሑ በቲ ኣሰጋገርቲ ዝሃብዎም ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምብጻሕ ውሑስን ሕጋውን መንገዲ ከምዘሎ ዝገልጽ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ተታሊሎም ድማ ንወዶም ናብ ስደት ከምዝሰደዱዎ እዩ እቲ ኢትዮጵያዊ ተመላሳይ ዝገልጽ። ብሩኽ ናብ ስደት ከብል እንከሎ ናይ ሳልሳይ ክፍሊ ትምህርቱ ጥራይ እዩ ዛዚሙ ነይሩ።

ብዛዕባ እቲ ዘስገሮ ሰብ ክዛረብ እንከሎ ብሩክ፡ቪዛኻ ባዕለይ ኣጻፊፈ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከእትወካ እየ ኢሉኒይብል

ናብ ናይሮቢ ብነፋሪት ዝበጽሐ ብሩክ፡ ብመንገዲ ታንዛንያን ዛምብያን ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምእታው እዩ ነቒሉ። እቲ ጉዕዞ ኣዚዩ ከቢድን ኣብ እዋን ለይቲ ጥራይ ዝካየድም ምዃኑ ዝሓበረ ብሩኽ፡ ዝነውሐ ጉዕዞ ብእግርን ኣብ ነኣሽቱ መካይን ተጸፍጺፍካን ብዘይእኩል ማይን መግብን ከምዝካየድ የዘንቱ።

ብሩኽ ምስ ካልኦት መጓዕዝቱ ካብ ታንዛንያ ናብ ዛምቢያ ኣብ ዝኣተወሉ እዩ ሻቡ ተታሒዙ። ቤት ፍርዲ ዝምብያ ድማ 15 ዓመት ኽእሰር ወሲኑ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ማለት ኣይ..ኤም ብዝገበሩ ጻዕሪ ግና መንእሰይ ብሩኽ ድሕሪ 6 ናይ ማእሰርቲ ዓመታት ናብ ሃገሩ ብሰላም ኽምለስ ክኢሉ ኣይ..ኤም ምስ መንግስታት እተን ከም ቀንዲ መተሓላለፍቲ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዝቚጸራ ሃገራት ብሓባር እንዳሰርሐ ኣብ ጉዕዞ ዝእሰሩን ዝዕገቱን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ቀጻሊ ጻዕርታት የካይድ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምብጻሕ ካብ ኢትዮጵያ ንዘይስሩዕ ጉዕዞ ስደት ዝብገሱ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ብመንገዲ ኪንያ፡ ታንዛንያ፡ ማላዊ፡ ዛምብያን ዚምባብዌን ከምዝሓልፉ ይፍለጥ። ከምሳዕቤኑ ሓያሎ ኣብ ጉዕዞ ብኣባላት ጸጥታ እተን ሃገራት ኽተሓዙን ኽእሰሩን ይረአ።

ስለዝኾነ ኢትዪጵያ ምስ መንግስታት ኬንያን ታንዛንያን ነቲ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘብል ዋሕዚ ስደተኛታት ንምጉዳል ብሓባር ኣብ ምስራሕ ይርከባ። እቲ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ዝድገፍ ሓባራዊ ስራሕ፥ ንማእሰርቲ ስደተኛታት ኻልኣ ኣማራጺ ምንዳይ፡ ዘይውሑስ ስደት ኣብ ምግታእ፡ ከምኡውን ኣብ ምምላስን ምውህሃድ ተመላሶን ስደተኛታት ዝሓሹ ኣሰራርሓታት ምንዳይ እዩ።

ድሕሪ ናይ ሽዱሽተ ዓመታት ማእሰርቲ ብሩክ ሃገሩ ኣብ ዝተመለሰሉ ወለዱ ሞይቶም ዝርካቡ ንብረት ስድራቤቱ ድማ ኣሕዋቱ ተማቒሎሞ እዮም ጸኒሖም።

እንተኾነ፡ ብሩኽ ሓገዝ ናይቲ ህይወት ተመለስቲ ስደተኛታት ንምምሕያሽ ዝስረሓሉ ዘሎ ሓባራዊ ተበግሶ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ኣይ..ኤም ረኺቡ ኣብ እዋን እዚ ወናኒ ክልተ ትካላት ምምቃስ ጸጉሪ ኮይኑ 4 ሰራሕተኛታት የስርሕ ኣሎ።

TMP – 28/05/2019

Photo credit: Shutterstock