ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም
ኣብ ግብጺ ተኣሲሮም ዝነበሩ ሰላሳን ክልተን ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ተፈቲሖም ብ11 ሰነ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ክብል ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (ኣይ ኦ ኤም) ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ምስ ምብጻሕ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ኣተሓሒዙ እዩ ነቶም ተኣሲሮም ዝነበሩ ስደተኛታት ምሕረት ገይሩሎም።
እቶም ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ኽጕዓዙ እዮም ናብ ግብጺ ብኣሰጋገርቲ ኣትዮም።
ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ ከም ግብጺ ዝኣመሰላ መስገሪ ሃገራት ተደርብዮም ብዙሕ ግዜ ዶባት ብዘይሕጊ ብምስጋሮም ማእሰርቲ የጋጥሞም።
ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ብዝተረኽበ ሓገዝ እቶም ተመለስቲ ናብ ናይ ኣይ ኦ ኤም መሰጋገሪ ማእከል ተወሲዶም መሕደርን ንጽባሒቱ ንጉዕዞን ናብ ቤቶም መምለሲ ዝዀኖም ናይ መገሻ ገንዘብን ተዋሂቦም።
ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምትሕግጋዝ ኣይ ኦ ኤም ሓፈሻዊ ናይ ዳግመጥየሳ ሓገዝ ብምቕራብ ነቶም ተመለስቲ ብቑጠባዊ፡ ማሕበራዊ ከምኡ ድማ ስነኣእምሮኣዊ መዳያት ዘድሊ ደገፍ የዳልወሎም።
እቲ ናይ ሕብረት ኤውሮጳን ኣይ ኦ ኤምን ሓባራዊ ተበግሶ ኣብ ዘላቒ ዳግመውህደት ዝምርኰስ ኣብ ምዕባለ ዘተኰረ ሓላፍነታዊ ምሕደራ ጉዳያት ስደት ንኸሳልጥ ዝተተለመ እዩ። ካብ ሓምለ 2017 ኣትሒዙ ንልዕሊ 1,100 ካብ ቻድ፡ ጂቡቲ፡ ኬንያ፡ ሊብያ፡ ማላዊ፡ ሞዛምቢክ፡ ኒዤር፡ ሶማልያ-ቦሳሶ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሱዳን፡ ታንዛንያ፡ የመንን ዛምብያን ዝተመልሱ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ሓገዝ ክቕረበሎም ጸኒሑ እዩ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ትሽዓተ ወርሒ 1,700 ኣቢሎም ዝበጽሑ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ካብ የመን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም። ኣብ ፈለማ ሰነ፡ 361 ኣብ ጂቡቲ ዝነበሩ ስደተኛታት ብምትሕግጋዝ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጂቡቲን ኣይ ኦ ኤምን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ኽኢሎም። እቶም ተመለስቲ ኣብ የመን ተሰዲዶም ዝነበሩ ብሰንኪ እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዂናት ናብ ጂቡቲ ዝሃደሙ ይርከብዎም።
ኣብ መስገሪ ዝሕሰባ ሃገራት ዝህሉ ኲናትን ናዕብን ገለ ኻብቲ ንኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዘምርጾም ዘሎ መኽንያታት እዩ።
TMP – 27/07/2018
ስእሊ፥ ኣይ ኦ ኤም። ካብ ግብጺ ዝምለሱ ስደተኛታት ኣብ መሰጋገሪ ማእከል ምቕባል እናተገብረሎም።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ