ስደተኛታት ኣብ’ታ ብኲናት ተሓሚሳ ዘላ የመን ይዕገቱ

ሰብኣዊ ኩነታት ኣብ የመን ብሰንኪ’ቲ ኣብ’ታ ሃገር ሰሪቱ ዘሎ ጸጥታዊ ቅልውላው ብኢሱ እንዳሃለወ፡ ናብ’ታ ሃገር ናይ ዝኣትዉ ዘለው ስደተኛታት ቊጽሪ ብናህሪ ይዛይድ ምህላዉ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ማለት ኣይ.ኦ.ኤም ሓቢሩ። ኣብ 2018፡ ከባቢ 150,000 ስደተኛታት ናብ የመን ኣትዮም ክኾኑ ከምዝኽእሉ’ዩ  እቲ ኣህጉራዊ ውድብ ዝግምት። እቲ ኣሃዝ ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመተ 2017 ብ 50 ሚእታዊት ዝዛይድ እዩ።

ሓያሎ ስደተኛታት ብመንገዲ የመን ናብ ሃገራት ወሽመጥ ክበጽሑን ሂወቶም ከመሓይሹን ዝምድብዎ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ የመን ምስ ኣተዉ ዝጎንፎም ጸጥታዊ ሕልኽላኻት ግና ኣብ’ታ ሃገር ተዓጊቶም ን መዝመዛን መግፋዕቲን ክቃልዑ እዮም ዝረኣዩ።

ዳይረክቶር ስርሒታት ሰብኣዊ ሓገዝ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ዝኾነ መሓመድ ዓብዲኸር ብዛዕባ’ቶም ኣብ የመን ተዓጊቶም ንሕሰም ዝቃልዑ ዘለዉ ስደተኛታት ክዛረብ እንከሎ፡ “ ዝበዝሑ እቶም ስደተኛታት ጽቡቕ ስራሕን ሓድሽ ህይወትን ወኒኖም ንነብሶምን ስድራቤቶምን ክሕግዙ ናይ ፈለማ ሕልሞም’ዩ። ኣብ የመን ምስ ኣተዉ ግን ግዳያት ነጋዶ ደቂ ሰብ ክኾኑን ኣብ ሞንጎ’ቲ ኲናት ተቐርቂሮም ንዝበኣሰ ሕሰም ኽቃልዑን ይረኣዩ ኣለው፡” ይብል።

ናብ የመን ካብ ዝኣትዉ ሓሙሽተ ስደተኛታት እቲ ሓደ ትሕቲ ዕድመ ከምዝኾነ እዩ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ዝገልጽ። ዝበዝሑ ካብ’ቶም ትሕቲ ዕድመ ብዘይ ዝኾነ ኣሰናዪ ዝስደዱ ምዃኖም’ውን እቲ ኣህጉራዊ ውድብ ይሕብር።

ብመንገዲ ቀይሕ ባሕሪ ናብ ወሽመጥ ዓደን ናይ የመን ዝወስድ መስመር ዝጸዓቐ ጉዕዞ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ካብ ዝረኣዩሎም መስመራት ማይ ኮይኑ ምህላዉ እዩ ዝግለጽ ዘሎ። ዝበዝሑ ስደተኛታት ነቲ መስመር ብዘይጸገም ሰጊሮም ናብ የመን ክበጽሑ ዝረኣዩ’ኳ እንተኾኑ፡ እቲ ኣብ’ታ ሃገር ካብ 2014 ዝቕጽል ዘሎ ውሽጣዊ ግጭት ፈጢሩዎ ዘሎ ገዚፍ ሰብኣዊ ቅልውላው ተወሳኺ ኣደራዕ ይኾኖም ከምዘሎ ይፍለጥ።

92 ሚእታዊት ካብ’ቶም ኣብ 2018 ናብ የመን ዝኣተዉ ስደተኛታት ዜጋታት ኢትዮጵያ ክኾኑ እንከለዉ፡ ዝበዝሑ ካብኣቶም ብ ኣሰጋገርቲ ተታሊሞም ዝመጽኡ ከምዝኾኑ እዩ ወሃብ-ቃል ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ኣቶ ዩኤል ሚልማን ዝሕብር። “ ሰብ-መዚ መንግስቲ የመን በቲ ዘሎ ጸጥታዊ ቅልውላው ዶባት እታ ሃገር ብዕቱብ ይሕልውዎ ከምዘየለዉ ዘረጋገጹ ኣሰጋገርቲ፡ ነቶም ስደተኛታት ኣብ የመን ምስ በጽሑ ብዘይጸገም ናብ ጎረባቲ ሃገራት ወሽመጥ ከስግርዎም ምዃኖም ናይ ሓሶት መብጽዓታት እዮም ዝህብዎም። እቶም ስደተኛታት ኣብ ባይታ ዝጸንሖም ሓቂ ግና ኻልእ እዩ። እቲ ዶባት ብ ነቶጒቲ ዝተሓጽረን ጽዑቕ ምቅይያር ተዂሲ ዝረኣየሉን ብምዃኑ እቶም ስደተኛታት ናብ ዝበኣሰ ጸገም እዮም ዝወድቊ፡” ይብል ኣቶ ሚልማን።

ኣብ 2017, ከባቢ 3,000 ኣብ የመን ዝተዓግቱ ስደተኛታት ብወለንታዊ መስርሕ ምምላስ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ነናብ ሃገራቶም ኽምለሱ ከምዝመረጹ ይዝከር።

TMP – 20/12/2018

ስእሊ ፥ ኣሌክሳንድራ ፋዚና/ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ር። ስደተኛታት ኣብ ገማግም ሶማል ናብ የመን ዘሳግረኦም ጀላቡ እንዳተጸበዩ።