ትካላት ሓካይም ብዘይዶብን ኤስ.ኦ.ኤስ ሜዲተራንየ-ን ስደተኛታት ንምድሓን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሓዳስ መርከብ ኣውፊረን

ኣብ ሰብኣዊ ሓገዛት ዝነጥፋ ትካላት ሓካይም ብዘይዶብን ኤስ.ኦ.ኤስ ሜዲተራንየ-ን ነቶም ኣብ ማያዊ ከባቢታት ሊብያ ኸምኡ’ውን ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ዝወድቊ ስደተኛታት ናይ ምድሓን ስርሒታት ዳግም ኽጅምራኦ ወሲነን። እተን ትካላት ነቲ ንከባቢ ሸውዓተ ኣዋርሕ ደው ኢሉ ዝጸንሐ ስርሒት “ ኦሽያን ቫይኪን” ብዝስማ ሓዳሽ መርከብ እየን ኸካይደኦ።

ከም ጥልያንን ማልታን ካብ ዝኣመሰላ ሃገራት ኤውሮጳ ክመጽኡ ዝጸንሑ ጸቕጥታት ንንጥፈታት እዘን ትካላት ረድኤት ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ዓንቂጽዎ ምጽንሑ ይፍለጥ። ከም ሳዕቤኑ እቶም ካብ ማያዊ ገማግም ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃ ኣብ ዘይውሑሳት ጀላቡ ተጻዒኖም ናብ ኤውሮጳ ዝብገሱ ስደተኛታት ኣብ ዝበኣሰ ሓደጋ ኽወድቊ ይረአ ኣሎ።

“ መንግስታት ኤውሮጳዊ ሕብረት ናይ ኮለላን ምድሓን ህይወትን ሓላፍነተን ክሳዕ ዝዘንገዓን፡ ሰባት ድማ ንሓደገኛ ጉዕዞ ማእከላይ ባሕሪ ምውሳድ ይቕጽልዎ ስለዘለውን፡ ህላዌ መራኽብ ትካላት ረድኤት ኣብ’ቲ ማያዊ መስመር ግድን ኸድሊ እዩ፡” ይብል ሓላፊ ስርሒታት ኾለላን መድሓን ህይወትን ኣብ ትካል ሓካይም ብዘይዶብ ዝኾነ ኣቶ ሳም ተርነር።

እተን ክልተ ትካላት ቕድም ኣውፊረንኣ ዝነበራ ብ ኣካሪዩስ እትጽዋዕ መርከብ ኣብ’ዚ እዋን እዚ ብ ኦሽያን ቫይኪን ዝስማ ዕብይ ዝበለትን ውሕስትን መርከብ ተተኪኣ ኣላ። እታ ሓዳሽ መርከብ ኣብ ማእከላይ ከባቢታት ማእከላይ ባሕሪ ናይ ኮለላን ምድሓን ህይወትን ስራሕ ንምዕማም ብ 2 ነሓሰ ካብ ደቡባዊ ገማግም ፈረንሳ ምንቃላ ኽፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ሓላፊ ስርሒታት ኤስ.ኦ.ኤስ ሜዲተራንየ ኣቶ ፍረደሪክ ፔናርድ ምስ ስጳኛዊት ማዕከን ዜና ኢ.ኤፍ.ኢ (Efe) ኣብ ዘካየዶ ቃለ-ምልልስ ፡ መንግስታት ኤውሮጳ ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ንዘጋጥም ዘሎ ሞት ስደተኛታት ንምግታእ ክሰርሑ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመት ክጽውዑ ምጽናሖም ጠቒሱ፡ እቲ ዝስዕብ ዘሎ ሞት ን ጥልያንን ማልታን ዘይኮነ ንመላእ ኤውሮጳ ዝምልከት ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ጀሚረን መንግስታት ኤውሮጳ ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ዝካየዱ ስርሒታት ምድሓን ህይወት ዳግም ክጅምርዎምን ፡ ነቶም ኣብ ሊብያ ተዓጊቶም ዝርከቡ ስደተኛታት ኽሕግዙን ይጽውዓ ምህላወን ይፍለጥ።

ማእከላይ ባሕሪ ካብ ቀዳሞት ቀተልቲ ስደተኛታት ዝኾኑ መስመራት ማይ ኮይኑ ይቕጽል ከምዘሎ ይንገር። ብመሰረት ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ማለት ኣይ.ኦ.ኤም ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳዕ ሓምለ ናይ’ዚ ዓመት ጥራይ ከባቢ 700 ሞት ስደተኛታት ኣብ’ቲ ማያዊ መስመር ተመዝጊቡ ኣሎ።

TMP – 09/08/2019

Photo credit:  ኤልዳር ኑርኮቪች/ ሻተርስቶክ ኮም

Photo caption: ካብ ታሕሳስ 2018  ዛጊት ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ እኹል ስርሒታት ምድሓን ህይወት ኣይጸንሐን።