ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ንኣርባዕተ መዓልታት ዝተዓግቱ 71 ስደተኛታት ናብ ሊብያ ክምለሱ ተገይሩ

ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ብ 29 መስከረም ብመንገዲ ማእከላይ ባሕሪ ናብ ኤውሮጳ ከብሉ ንኣርባዕተ መዓልታት ኣብ ባሕሪ ዝተዓግቱ 71 ስደተኛታት ብምድሓን ናብ ሊብያ መሊስዎም።

ብመሰረት መግለጺ ሰብ መዚ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ፡ ካብ’ቶም ዝደሓኑ ስደተኛታት እንትርፎ ብጽምእን ጥሜትን ዝተሰነፉ ክልተ ሰባት ኩሎም ዝኾነ ኣካላዊ መጒዳእቲ ከምዘይወረዶም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

 “ኣላርም ፎን” ዝተባህለ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ንዝወድቊ ስደተኛታት ዝረድእ ዘይመንግስታዊ ትካል ግብረሰናይ ከምዝሓበሮ፡ ካብ’ቶም ኣብ ባሕሪ ሓደጋ ዝገጠሞም ስደተኛታት ዝተገብረ ናይ ርድኡና ጻውዒት ብሰብ መዚ ጥልያንን ሊብያን ዕሽሽ ከምእተባህለ፥ ድሕሪ 80 ሰዓታት ጥራይ ድማ ኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ንረድኤት ከምዝመጻ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እቲ ዘይመንግስታዊ ትካል ብመንገዲ ትዌተር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ ሓደጋ ዝወደቚ ስደተኛታት ዝተራእየ ሸለልትነት ገበን ከምዝኾነን ነጸብራቕ ናይ’ቲ ኣብ ሞንጎ ሊብያን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ተበጺሑ ዘሎ ስደተኛታት ናይ ዘይምሕጋዝ ሓባራዊ መርገጺ ከምዝኾነን ብምሕባር፡ እቶም ኣብ ኣስካፊ ኩነታት ዝርከቡ ክልተ ስደተኛታት ብህይወት ክሰሩ ትምኒቱ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ዝበዝሑ ካብ’ቶም ዝደሓኑ ስደተኛታት ናብ ሊብያ ኣብ ዝተመለስሉ ሻቡ ካብ ሰብ መዚ ሊብያ ከምዘምለጡ፡ ኣማላት ጸጥታ ሊብያ ድማ ንምሓዞም ዝኾነ ተበግሶ ከምዘየርኣዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ኣብ ወደባዊት ከተማ ኣል-ኹምስ ዝመደበሮም ሰበስልጣን ሓይሊ ባሕሪ ከምዝገለጽዎ፡ ነቶም ዘምልጡ ዝነበሩ ስደተኛታት ንምዕጋት ዝኾነ ትእዛዝ ከምዘይተዋህበን፡ ናብ መዳጎኒ ማእከላት ከግዕዝዎም መደብ ከምዘይነበረን እዩ።

ካብ ወሃቢ ቃል ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ  ኣዩብ ቃስም ዝተረኽበ ሓበሬታ ከምዘነጽሮ ግን፡ ነቶም ስደተኛታት ናብ መዳጎኒ ማእከላት ንምግዓዞም ዝነበረ መስርሕ ስለዘይሰለጠ ናብ ዝመረጽዎ ከባቢ ከብሉ ነጻ ከምእተሓድጉ እዩ። መዳጎኒ ማእከላት ሊብያ ኣብ’ዚ እዋን እዚ ልዑል ቊጽሪ ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ሕሱም ኩነታት ተታሒዞሙለን ዘለዋ ኮይነን፡ ኣብ’ተም ማእከላት ቀጻሊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይምዝገብ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ሊብያ ሓያሎ ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ንምብጻሓ ከም መበገሲት ዝጥቀሙላ ሃገር ኮይና ትቕጽል ከምዘላ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ሓይልታት ሓለዋ ባሕሪ እታ ሃገር ብ ኤውሮጳዊ ሕብረት እንዳተሓገዙ ንብዙሓት ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ እንዳዓገቱ ናብ ልብያ ይመልስዎም ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ማእከላይ ባሕሪ ንስደተኛታት ካብ ቀዳሞት ቀተልቲ መስመራት ኮይኑ ይቕጽል ምህላዉ ዝንገር ኮይኑ፡ ኣብ’ዚ ዓመት እዚ ዛጊት ህይወት ልዕሊ 1,000 ስደተኛታት ኣብ’ቲ መስመር ጠፊኡ ኣሎ።

TMP 14/10/2019

ስእሊ፥ ዴቪድ ቦናልዶ/ሻርስቶክ ኮም

ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ካብ ሃገሩ ዝብገሱ ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ዓጊትካ ናይ ምምላስ ወፍሩ ብዝሓየለ ይቕጽሎ