ኣሽሓት ኢጣልያውያን ኣንጻር ዓሌትነት ይስለፉ

ብ2 መጋቢት 2019 ኣብ ሰሜን ኢጣልያዊት ከተማ ሚላኖ፡ 200,000 ሰባት ኣንጻር ዓሌትነት ንምእዳም ናብ ሰልፊ ወጺኦም። እቶም ተሰለፍቲ፡ ፍርሂ፡ ጽልእን ምክፍፋልን ከምዘስዕብ ብምግላጽ ኣንጻር ሕሉፍ የማናዊ መምርሒታት ድምጾም ኣስሚዖም።

ኣብ ክንዲ እቲ ዝነቕፍዎ ኣተሓሳስባ እቲ ‘ፈለማ ህዝቢ’ ዝብል ጭርሖኦም ንብዙሕነት ከም ባህላዊ መኽሰብ ዝርኢ እዩ። እቲ ኣድማ ነቲ ጐደናታት ብሕብርታት፡ ሙዚቃን ሳዕስዒትን መሊእዎ።

ንሰባት ከምቲ ዘለውዎ ምቕባል ጽቡቕ ነገር ምዃኑን ብዙሕነት ሃብቲ ምዃኑን ከነርኢ ኢና ኣብዚ መጺእና ዘለና፡” ትብል ሓንቲ ኻብቶም ተሰለፍቲ።

ካልእ ተሰላፊ፡ “ስድራና ብዙሕ ሕብርታትን ፍልልያትን ዘለዎም ክዀኑ ስለዝመረጹ ኣንጻር ሃዋህው ዓሌትነትን ኢና፡” ይብል።

“ኢጣልያን ኤውሮጳን ንሰባት ቀንዲ ረብሓአን ንምግባር ኣገባባተን ክቕይራ ኣለወን፡” ይብል ምስ ራይ ቲቪ ዝተዛረበ ሃደ ተሰላፊ።

ኣባል ማሕበራውያን ደሞክራት ዝዀነ ኸንቲባ ሚላኖ ቤፐ ሳላ ነቲ ሰልፊ ከም ነጥበ መቐይሮ ገሊጽዎ።

ብማቴዮ ሳልቪኒ ዝምራሕ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ኣብ 2018 ጸረ ስደተኛታት መደረ ብምብዛሕ እዩ ተዓዊቱ። ኣብቲ ንኽምረጽ ዘካይዶ ዝነበረ ዘመተ ክሳዕ 400,000 ዝበጽሑ ስደተኛታት ናብ ሃገራቶም ክምለሶም ምዃኑ ተማባጺዑ ኔሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ካብ ዝኸውን፡ ሳልቪኒ መራኽብ ምድሓን ህይወት ኣብ ወደባት ኢጣልያ ኸይዕሸጋን ከይብገሳሉን ከልኪሉ፡ ንሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ስልጠናን ጃላቡን ብምሃብ ጃላቡ ስደተኛታት ዓጊቶም ናብ ሊብያ ኸምዝመልሱ ጌሩ። ከም ውጽኢቱ፡ ኣብ 2018 ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ 15,000 ስደተኛታት ዓጊቱ ኸምዘድሓነ ገሊጹ። እቲ ስጕምቲ ካብቲ ሊብያ ሰባት ንኽምለስዋ ዘይውሕስቲ ሃገር ምዃና ዝገልጽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብርቱዕ ኩነኔ ወሪድዎ እዩ።

እንተዀነ ግና ሳልቪኒ እቲ ሓደስቲ መምርሒታት መንግስቲ ንኢጣልያ ውሕስቲ ኽገብርዋ ምዃኖም ይገልጽ። ኣብ መስከረም መንግስቲ ኢጣልያ ብርቱዕ ገበን ንዝበደሉ ስደተኛታት ንምጥራዝን ዝተቐበልዎ ዜግነት ኢጣልያ ንምግዳፎምን ዘኽእል ኣዋጅ ኣውጺኡ።  

TMP – 4/03/2019

ስእሊ፦ ማይክ ዶታ/ ስሻተርስቶክ። ሰልፊ ኣንጻር ዓሌትነት ኣብ ሚላኖ፡ ኢጣልያ።