ልዕሊ 500 ስደተኛታት ገና ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ተዓጊቶም ኣለው

ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ካብ ሓደጋ ንዘድሓንኦም ልዕሊ 500 ስደተኛታት ኣሳፊረን ዝርከባ ክልተ ናይ ድሕነት መራኽብ ናብ ገማግም ኤውሮጳ ክጽገዓ ዛጊት ስለዘይተፈቕደን ኣብ ሰንፈላል ከምዝርከባ ተሓቢሩ። ብፍላይ ጥልያንን ማልታን እተን መራኽብ ናብ ወደባተን ከይጽግዓ ሓንጊደን ኣለዋ።

እተን ብናይ ስፓኛን ፈረንሳ ትካላት ግብረሰናይ ዝውነና ክልተ መራኽብ ነቶም ዘድሓንኦም ኣማኢት ስደተኛታት ሒዘን ንከባቢ ሰልስተ ሰሙን ተዓጊተን ምህላወን እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ጥልያን ማትዮ ሳልቪኒ፡ ሃገሩ ነዘን ክልተ መራኽብ ኽትቅበለን ከምዘይኮነት ብ 13 ነሓሰ ደጊሙ ገሊጽ እዩ።

“ኣነ ምስ ሚኒስትረይ ኮይና ነቶም ኣብ’ተን ብትካላት ረድኤት ፈረንሳን ስጳኛን ዝውነና ናይ ድሕነት መራኽብ ዝርከቡ ልዕሊ 500 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ሃገርና ከይራገፉ ኣብ ስራሕ ንርከብ ኣሎና፡” ይብል ሚኒስተር ሳልቪኒ።

እንተኾነ ብ 17 ነሓሰ ፡ ጥልያን ንውሳነኣ ከተዝልቕ ብምምዳብ ኣብ’ታ ብትካል ረድኤት ስጳኛ እትውነን መርከብ ካብ ዝርከቡ ስደተኛታት ን 27 ትሕቲ ዕድመ ናብ ደሴት ላምፔዱሳ ኽኣትዉ ፈቒዳ ኣላ።

ኣብታ ብፈረንሳውያን ትካላት ረድኤት “ሓካይም ብዘይዶብ”ን “ኤስ.ኦ.ኤስ ሜዲተራንየ”ን እትካየድ ኦሽያን ቫይኪን ዝስማ ካልኣ ናይ ድሕነት መርከብ ኣስታት 356 ስደተኛታት ተሳፊሮም ኣለው። እተን ትካላት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ንልዕሊ 7 ኣዋርሕ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ስርሒታት ምድሓን ህይወት ዳግም ክጅምራ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ምውሳነን ይዝከር

እተን ክልተ ናይ ድሕነት መራኽብ ነቶም ሒዘንኦም ዘለዋ ስደተኛታት ናብ ሊብያ ከምዘይመልስኦም ይገልጻን፥ ኩነታት እቶም ስደተኛታት ይብእስ ብምህላዉ ድማ ሃገራት ኤውሮጳ ክቕበልኦም ይሓታን ኣለዋ።

መንግስቲ ስጳኛ እቶም ብትካል ግብረሰናይ ሃገሩ ኣብ እትውነን “ኦፐን ኣርምስ” ዝስማ መርከብ ዘለዉ ስደተኛታት ናብ ሃገሩ ክኣትዉ ብ 19 ታሕሳስ ፈቒዱ እኳ እንተሃለወ፡ ካብ ማእከላይ ከባቢ ማእከላይ ባሕሪ ናብ ስጳኛ ዘሎ ርሕቐት ንጉዕዞን ድሕነትን እቶም ኩነታቶም ናብ ዝበኣሰ ደረጃ ወሪዱ ዘሎ ስደተኛታት ኣሰካፊ ከምዝኾነ ወነንቲ እታ መርከብ ይገልጹ ኣለው።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ስክፍታታቱ ይገልጽ ኣሎ። ወሃብ-ቃል ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣቶ ቻርሊ ያስሊ ን ድምጺ ሬድዮ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ተርእዮታት ማዕበል ይቐላቐል ብምህላዉ እቶም ስደተኛታት ኣብ ዝሓጸረ እዋን ዝቕበሎም ክረኽቡ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።

“ ብሓቂ፡ እዚ ጉዳይ እዚ ክሳዕ ክንደይ ንኻብ ኲናትን ዓመጽን ኣምሊጦም ኣብ ተወሳኺ ሕሰም ወዲቖም ዘለዉ ሰባት ዓይንና ንኽውል ምህላውና ዘርኢ እዩ፡” ይብል ንሱ።

ዝበዝሑ ኣብ’ተን ናይ ድሕነት መራኽብ ዘልዉ ስደተኛታት ካብ ሶማል፡ኤርትራን ሱዳንን ዝመጽኡ ከምዝኾኑ ዝጠቐሰ ኣቶ ያስሊ፡ ሰባት ካብ ኣብ መሬት ኣብ ባሕሪ ክጸንሑ ዘገድዶም ጉዳይ እንተዘይህሉ ነዚ ሓደገኛ ጉዕዞ ብምውሳድ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣይምሰእተውን ይብል።

ጥልያንን ማልታን ብመንገዲ ማእከላይ ባሕሪ ንዝመጽእ ዋሕዚ ስደተኛታት በይነን ኽገጥምኦ ከምዝተገድፋ እየን ንኣባላት ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ክኸሳ ጸኒሐን። ስለዝኾነ እተን ሃገራት ዘይስሩዕ ስደት ንምግታእ ተረርቲ ስጒምትታት ኣብ ምስማር ብቐጻሊ ይሰርሓ ኣለዋ።

ጥልያን ወደባታ ንናይ ድሕነት መራኽብ ዓጽያን ኣብ ማእከላይ ከባቢታት ማእከላይ ባሕሪ ስርሒታት ምድሓን ህይወት ስደተኛታት ኣጊዳን ጥራይ ዘይኮነ፡ ናብ ማያዊ ግዝኣታ ኣብ ልዕሊ ዝኣትዋ ናይ ድሕነት መራኽብ ክሳዕ ናይ ሓደ ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ መቕጻዕቲ እውን ኣጽኒዓ ኣላ።

TMP – 22/08/2019

ስእሊ፥ ቸሳረ ኣባተ/ ANSA

ሓንቲ ካብተን ተዓጊተን ዘለዋ ናይ ድሕነት መራኽብ

The world is on the move

Millions of people are migrating right now, and most of them are facing the harsh realities of what migration means in the 21st century.

We provide facts and current news on migration in multiple languages that is easily understandable and accessible to migrants.

ዝያዳ ንምንባብ