ኣብ መዕቈቢ ስደትኛታት ኣብ ቱኒዝያ ዝርከቡ ስደተኛታት ብሕሰም ኣተሓሕዛ ክሳብ ምጥፋእ ገዛእ ህይወቶም ይበጽሑ
ብዙሓት ካብቶም ኣብ ናይ ቱኒዝያ መዕቈቢ ስደተኛታት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝርከቡ ስደተኛታት ካብ ሕሰም ናይቲ ዘለውዎ ኹነታት ናብራ ዝተላዕለ ክሳዕ ህይወቶም ከጥፍኡ ይደፋፍኡ ኣለዉ።
ብ11 መጋቢት ወዲ 16 ዓመት ኤርትራዊ ኣብቲ ማእከል ኣሲድ ሰትዩ መትኒ ጉምቦ ኢዱ በቲኹ ህይወቱ ኸሕልፍ ፈቲኑ። ናብቲ ዝቐረበ ሆስፒታል ተወሲዱ ጸኒሑ ድማ ናብ ክፍሊ ሕሙማን ኣእምሮ ተሰጋጊሩ፡ ብኽትትልን ከርግኦ ዝተመደበ መደንዘዝን ይካየድ ኣሎ። ረፑብሊካ ዝተባህለት ጋዜጣ ኢጣልያ ኣብ ዘውጽኣቶ ጸብጻብ፡ እቲ ቘልዓ፡ “ኣብዚ ቦታ ጽቡቕ ኣይስምዓንን እዩ ዘሎ፡ ንምንታይ ኣብዚ ኣምጺኦምኒ ኣለዉ ውን ኣይተረድኣንን። ቋንቋይ ዝዛረብ ሰብ የለን፡ በይነይ ፈልዮም ይሕልዉኒ እዮም ዘለዉ፡” ይብል።
እቲ ናይ ምዕራብ ተስፋን ብርቱዕ ጭንቀትን ስምዒታት ኣብ ብዙሓት ኣብቲ መዕቈቢ ዝርከቡ ስደተኛታት ይርአ። ቅድሚ ገለ ሰሙናት ሓንቲ ኣብቲ ቦታ ዝነበረት ኤርትራዊት ስደተኛ ባራኪና ብምስታያ ህጹጽ ረድኤት ክግበረላ ናብ ሕክምና ተወሲዳ።
እቲ ኣብ ከተማ መደኒን ዝርከብ ማእከል፡ ቱኒዝያ ዝርከብ ኣማኢት ካብ ሊብያ ሃዲሞም ኣብ ቱኒዝያ ዑቕባ ዝደለዩ ስደተኛታት ይቕመጡሉ። እቶም ስደተኛታት ዘሰኒ ዘይብሎም ቈልዑ፡ ህጻናት ዘለውዎም ስድራቤታት፡ ዘይተመርዓዋ ኣዋልድ ዝርከብዎም መብዛሕትኦም ካብ ኤርትራን ካብ ካልኦት ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝርከብአን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝተበገሱ እዮም።
ኣብ ጥሪ 2019 ቱኒዝያዊ መድረኽ ንቑጠባውን ማሕበራውን መሰላት ዝተባህለ ማሕበር ሰብኣዊ መሰላት ኣብቲ ማእከል ብዛዕባ ዘሎ ኣስካሕካሒ ኹነታት ናብራ ጸብጻብ ጽሒፉ ኔሩ። እኹላትን ቈልዑን ኣብቲ ማእከል ተመሳሳሊ ጽሬት ዘይረክብ መሕጸቢ ሰውነትን ዓይኒ ምድርን ይጥቀሙ። ኣብ እዋን ሓጋይ ዋሕዲ ዘማምቝ ኮቦርታታትን ክዳውንትን ኣሎ። እቲ ዝርካቡ ምዉቕ ክዳውንቲ ኣብ እዋኑ ኣይዕደልን እዩ። ውዑይ ማይ ሳሕቲ እዩ ዝርከብ፡ ኣብ ገሊኡ ግዜ ድማ ፈጺሙ ማይ ውን ኣይርከብን እዩ። እቶም ስደተኛታት ዝወሃብዎ ትሕቲ 7 ዶላር ዝዋግኡ ወረቐት መቐየርታ ገንዘብ ንሰሙን ዝኸውን ወጻኢታት መግቢ ኽሽፍን ፈጺሙ ዘይክእል እዩ።
ኣብቲ ማእከል ዝነብራ ደቀንስትዮ ብሕትውና ኣይረኽባን፡ ገለ ኻብኣተን ድማ ኣብቲ መሕጸቢ ሰውነት ጾታዊ መጥቃዕቲ ኸምዝበጽሐን ይገልጻ። ብዙሓት ካብቶም ኣብቲ ማእከል ዝርከቡ ስደተኛታት ጽምዋ ኸምዝብርትዖምን ምስ ስድራቤቶም ዝኣክል ርክብ ከምዘይብሎምን ይገልጹ።
ብዙሓት ካብ ሊብያ ዘምለጡ ስደተባታት ኣብቲ ማእከል ተዓቚቦም ኣለዉ። ሓደ ኣብቲ ማእከል ዝተዓቝበ ኤርትራዊ፡ “ኣብ ሊብያ ዓመት ጸኒሕና። ሰበይተይ ምቕጥቃጥ ምስበዝሓ ጥንሲ ኸይድዋ። ሸይጦምና ጨውዮምና እዮም። ሕጂ ኻብዚ ኹሉ ገሃነም ወጺእና ኢልና ሓኪም ደሊና እንተበልና ክሳብ ሕጂ ዝመጻና ሓኪም የለን፡” ይብል።
እቶም ስደተኛታት እቲ ኣብቲ መዕቈቢ ዝርከብ ሕሱም ናብራ ኽመሓየሎም ሰላማዊ ኣድማ ኸካይዱ ጸኒሖም እዮም። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተኻየደ ብኻብ ኤርትራ፡ ሱዳንን ሶማልያን ዝመጹ ስደተኛታት ኣብ ዝተኻየደ ኣድማ፡ ዝሓሸ ደገፍ ሕክምናን ንሰባት ዝግባእ ክብሪ ኽረኽቡን ጠሊቦም። ሓደ ኻብቲ ጭርሖታት፡ “ካብ ሊብያ ኢና መጺእና። ማእሰርቲ ይኣክል። ናጻ ኽንከውን ኢና ንደሊ፡” ይብል።
TMP – 9/04/2019
ስእሊ፦ ሳራ ክሬታ / ትዊተር። ስደተኛታት ኣብ መጽለሊ ስደተኛታት መደኒን ለውጢ ንምጥላብ ይእድሙ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ