ዝገዘፈ ጉጅለ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ

ኣብ ሊብያ ስለዝተዓግቱ ብወለንታኦም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝመረጹ 76 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ብመንገዲ መስርሕ ወለንታዊ ምምላስ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (ኣይ..ኤም) ክግዕዙ ተገይሩ። እቲ ኣሃዝ ቅድሚ ሕጂ ብጉጅለ ካብ ዝተመልሱ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ዝለዓለ ምዃኑ ይፍለጥ። እቶም ተመላሶ ኣቐዲሞም ካብ ሊብያ ክወጽኡ ድልየት እኳ እንተነበሮም፡ ንግዕዞኦም ዝኸውን ገንዘብ ስለዝሰኣኑ ግና ክሰልጦም ከምዘይከኣለ ይዛረቡ።

ኣብ ከተማ ትሪፖሊ ናይ ሊብያ ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት ዝበኣሰ መልክዑ ሒዙ ከምዘሎ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ናይ ዓመት ኣብ መንጎ ነታ ከተማ ንምቊጽጻር ዝከራፈሱ ዘለው ዕጡቓት ጉጅለታት ብዝጀመረ ምልውዋጥ ከቢድ ብረት ተሪፉ ዝጸንሐ ህንጻታትን ትሕተቅርጺን እታ ከተማ ዓኒዩ ነበርታ ድማ ናብ ካልእ ከባቢታት ክፈናቐሉ ገይሩ ምህላዉ እዩ ዝሕበር። መሪሕነት ሙዓመር ጋዳፊ ምስ ኣብቀዐ፡ ሓያሎ ናይ ምልሻ ጉጅለታት ንከተማ ትሪፖሊን መስመራት ነዳዲ ዝሓልፉወን ከባቢታት ሊብያን ንምቊጽጻር ኣብ ቀጻሊ ግጭት እዮም ዝርከቡ።

እቲ ዝብእስ ዘሎ ግጭት ህይወት ኣማኢት ይወስድን ኣማኢት ካልኦት የቚስልን ብምህላው ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ወርሒ መስከረም ናይ ህጹጽ ሓደጋ ኣዋጅ ኣብ ከተማ ትሪፖሊ ደንጊጉ ኣሎ። ቀጺሉ ኣብ ፋልመይቲ ሰሙን ናይ ወርሒ ጥቅምቲ፡  ኣብ ሞንጎ ተቐናቐቲ ወገናት ተዂሲ ደው ናይ ምባል ስምምዓት ተበጺሑ እንተሃለወ፡ ኣቐዲሞም ዝተበጽሑ ተመሳሰልቲ ስምምዓት ነዊሕ ከይጸንሑ ክፈርሱ ብምጽናሖም እዚ እዋናዊ ስምምዕውን ቀጻልነቱ ኣሰካፊ ኮይኑ ይርከብ።

ሊብያ ቀንዲ መተሓላለፊት ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ኮይና ምህላዋ ይፍለጥ። ኣብ ሃገር ዘሎ ጸጥታዊ ውድቀት፡ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲን ነጋዶን ደቂሰብ ብዘይ ቀይዲ ከም መናሃርያ ክጥቀሙላ እዮም ዝረኣዩ። ከም ሱዳንን ግብጽን ዝኣመሰላ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ምግታእ ዘይሕጋዊ ዋሕዚ ስደት ዝኽተልኦም ዘለዋ ተረርቲ ስጒምትታት እውን ንሓያሎ ስደተኛታትን ኣስገርቲን ናብ ሊብያ ከብሉ ይደፍኦም ከምዘሎ ይንገር

ናብ ሊብያ ክኣትውን ካብ ማያዊ ገማግም ሊብያ ማእከላይ ባሕሪ ክጥሕሱን ዝቕየዱ ስደተኛታት ናብ ኣዚዩ ትሑት ቀረብን ውሑስ ትሕተቅርጺን ዘለወን መዳጎኒ ማእከላት እንዳተጸፍጸፉ ናብ ዝበኣሰ ጸገም ይወድቁ ምህላዎም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ናይ ዓመት፡ ኣብ ከተማ ትሪፖሊ ኣብ ዝተዳጎኑሉ ማእከል ሕሰም ናብራ ዝመረሮም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ምስቶም ናብ ጨወይቲ ክሸጡና ይምድቡ ኣለው ዝበልዎም ኣባላት ሓለዋ ከምእተጋጨው ኣይርሳዕን።

ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (ኣይ..ኤም) ካብ ወርሒ ጥሪ 2017 ክሳዕ ወርሒ ግንቦት 2018 ብመስርሕ ወለንታዊ ምምላስ ልዕሊ 23,000 ኣብ ሊብያ ተዓጊቶም ዝጸንሑ ስደተኛታት ነናብ ሃገሮም ከምዘግዓዘ እዩ ዝሕብር።

እቶም ስደተኛታት ኣብ ሃገሮም ኣብ ዝምለስሉ እዋን ከም መጽለሊ፡ጥዕናዊ ምርመራ፡ ስነኣእምሮኣዊ ምድግጋፍ፡ ከምኡውን ናይ ጉዕዞ ክፍሊት ዝኣመሰሉ ሓገዛት እዩ ዝቕረበሎም። ዕላማ ናይ ድማ እቶም ስደተኛታት ናብቲ ዝምለስዎ ዘለው ሕብረተሰብ ብዘይጸገም ተሓናፊጾም ንቡር ህይወቶም ክመርሑ ንምኽኣል እዩ።

TMP – 05/10/2018

ስእሊ፥ IOM files. እቶም ተመላሶ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣብ ዝኣተውሉ።