“ተወሃሂድና ኢና እንነብር”፦ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ቤትትምህርታትን ዩኒቨርሲቲታትን ኢትዮጵያ ይመሃሩ

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዜጋታት እታ ሃገር ሓቢሮም ኣብ ቤት ትምህርትታትን ዩኒቨርሲቲታትን ይምሃሩ ኣለዉ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ምስቲ ኢትዮጵያ ዘተኣታተወቶ ንኣሽሓት ኤርትራውያን ቈልዑን መንእሰያትን ትምህርቶም ንኽቕጽሉ ዕድል ዝሃበ ንውህደት ዝምልከት ኣገባባትን ሕግታትን ተኣሳሲሩ እዩ።

17 ጥሪ 2019 ባይቶ ኢትዮጵያ ዘመሓየሾ ሕጊ ንስደተኛታት ከም ኣብ መንግስታዊ ቤት ትምህርትታት ምስታፍን ካብ መዓስከራት ስደተኛታት ወጻኢ ምንባርን ዝኣመሰለ ዝያዳ መሰላት ዝህብ እዩ።

ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽነር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ዝዀነት ክሊመንቲን ኣዉ ንክዌታሳላሚኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪቃ ንዘለዋ ሃገራት ጥራይ ዘይኰነት ንኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዋ ሃገራት ኣብነት እትኸውን ሃገር እያ፡ብምብላ ነቲ ዝጸደቐ ሓድሽ ሕጊ መጒሳቶ።

ብመሰረት ጸብጻባት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት እንተወሓዱ 7 ኻብ 10 ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኣብ ናይ ትምህርቲ ዕድመ ዝርከቡ ቘልዑ ኣብ 2017-2018 ኣብ ትምህርቲ ኔሮም። ሓንቲ ኻብተን ብዙሓት ስደተኛታት ዝሓወሰት ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ማይ ዓይኒ እያ።

ሓደ ጋዜጠኛ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ ሚኪኤል ዝተባህለ ኤርትራዊ ተማሃራይ እቲ ቤት ትምህርቲ ተዘራሪቡ። እቲ ተማሃራይ፡ብሓንሳብ ንጻወት፡ ንምሃር፡ ብሓባር ንንነብር። ገለና ስደተኛታት፡ ካልኦት ኣይኰኑን። ዘገድስ ኣይኰነን። ብሰላም ኢና ንነብር።

ወሲኹ፡ሕልመይ ከግህድ ክሕግዘኒ ስለዝዀነ እምሃር ምህላወይ የሐጕሰኒ እዩ፡ይብል።

እታ ቤት ትምህርቲ 235 ስደተኛታትን 383 ኢትዮጵያውያንን ነጻ ኣገልግሎት ትምህርቲ ትህብ። ብተወሳኺ ተማሃሮ ነጻ መጻሕፍትን መሳርሒ ጽሕፈትን ይዕደሉ።

መንእሰያት ስደተኛታት ውን ካብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ስርዓተ ትምህርቲ ይረብሑ ኣለዉ። ተረባሕቲ ዝተፈላለየ ማደራት ትምህርቲ ብምዃን ልዕሊ 3,100 ስደተኛታት ካብ 2017 ክሳዕ 2019 ኣብ ዝተፈላለያ ዩኒቨርሲቲታት ኢትዮጵያ ተመዝጊቦም።

ንክዌታሳላሚ እቶም ዝምልከቶም ኣካላት ንውህደት እቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ልዕሊ 900,000 ስደተኛታት ዘካይድዎ ዕዮ ኽጽሉ ጸዊዓ።ነዚ ሓድሽ ኣጠቓላሊ ምሕደራ ስደተኛታት ዕዉት ንምግባር ንስደተኛታትን ንኣአንገድትን ዝጠቅም ሓድሽ ወፍሪ ንምግባርን ናይ ስራሕ ዕድላት ንምፍጣርን ካብ ጽላት ውልቃዊ ወፍርን ካብ ናይ ምዕባለ ረድኤት ተዋሳእትን የድሊ።ትብል።

TMP – 19/04/2019

ሰኣላይ፦ ኣንድሬይ ኩቢክ / ሻተርስቶክ

ስእሊ፦ ንእሽቶ ተማሃሪት ኣብ ኣኽሱም፡ ትግራይ፡ 22 መጋቢት 2019