ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ኣልጄርያ ግፍዕን ባርነት ከምዘሎ ይገልጹ
ካብቲ መስመር ሊብያ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝዀነሉ ንድሓር ኣልጄርያ ልምድቲ ናብ ማእከላይ ባሕሪ እተራኽብ ባብ እያ ዀይና። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ካብ ሓደ ኣህጉራዊ ትካል ግብረሰናይን ኣብታ ኣብ ኒዤር ቀንዲ መሰጋገሪት ስደተኛታት ዝዀነት ኣጋዴዝ ዝመደበሩ ዞባዊ ምትሕግጋዝን ብዝተሓበረ፡ ከምኡ ድማ ብመሰረት ምስ ክልተ ግዳያት ብተሌፎን ብዝተገብረ ዝርርብ ዛንታታት ግዱድ ዕዮን ባርነትን ከምዘሎ ይገልጽ።
ወዲ 21 ዓመት ጊኒያዊ ኦስማነ ባህ ብዘይተፈልጡ ወገናት ክልተ ግዜ ተታሒዙ ክልተ ግዜ ተሸይጡ ኣብ ህንጻ ኽሰርሕ ከምዝተገደደ ይገልጽ። “ፓስፖርትታትና ወሲዶሞ። ሃሪሞምና። ኣይበላዕናን። ኣይሰተናን፡” ይብል። “ንሽዱሽተ ወርሒ ባርያ ዀይነ።”
ኦጎኒዲጀ ታንገ ማዙ ዝተባህለ ቶጎኣዊ ኣብ መዳጐኒ ኣባጊዕ ይድቅስ ከምዝነበረን ካብቶም እንስሳታት እንተሓሚሙ ወይ እንተረሲሑ ይቕጥቀጥ ከምዝነበረን ይገልጽ። “ጐዘሞታት ሒዞም ምስመጹ ብብርከይ ተደቢረ ይቕረ ኽብሉለይ እልምኖም እሞ ይምሕሩኒ ኔሮም፡” ይብል።
ኣብ ኣልጄርያ ኣንጻር ስደተኛታት ዘተኰረ ስምዒታት ይውስኽ ከምዘሎ ካብ ዓሚ መስከረም ኣትሒዙ ክስማዕ ዝጸንሐ ጸብጻባት ኣሽሓት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ከምዝተጠረዙን ኣብቲ ምስ ኒዤር ዘዳውብ ኣብ ደቡብ እታ ሃገር ዝርከብ ምድረበዳ ኸምዝተደርበዩን ጸብጻባት ክስማዕ ጸኒሑ እዩ።
ብራድዮ ፍራንስ ኢንተርናስዮናል ብለካቲቲ ዝወጸ ጸብጻብ እታ ሃገር ሃንደበት ስደተኛታት ብምኽባብ ኣሽሓት ኣፍሪቃውያን ብሓይሊ ኸምዝጠረዘቶምን ከምዘሕፈረቶምን ይገልጽ።
ብመሰረት ዝሓለፈ ዓመት ብኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝሓለፈ ዓመት ዝወጸ ጸብጻብ ሰብመዚ ኣልጄርያ እቶም ስደተኛታት ኣብታ ሃገር ክነብሩ ሕጋዊ ፍቓድ ከምዘይብሎም ከየረጋገጹ ብዓሌት እናፈለዩ ሰባት ይኣስሩ ኔሮም። ገለ ኻብቶም ዝተኣስሩ ዘይምዝጉባት ስደተኛታት ክዀኑ ኸለዉ ካልኦት ዘይወደቐ ቪዛ ዝነበሮም እዮም።
ብመሰረት እቶም ስደተኛታት ኣልጄርያውያን ሰብመዚ ካብ ዶብ ክሳብ 30 ኪሎሜተር ዝበጽሕ ኣርሒቖም፡ ዝበዝሕ እዋን ብዘይማይ፡ ክሳብ 45 ደረጃ ሴንቲግሬይድ ኣብ ዝበጽሕ ዋዒ ደርብዮሞም ከምዝኸዱ ይገልጹ።
ብግንቦት ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣልጄርያ እታ ሃገር ኣብ መጋቢትን ሚያዝያን እንተወሓደ ሽዱሽተ ሰፊሕ ምግፋፍን ምጥራዝን ከምዘካየደት ብጥቃስ ኰኒንዋ ኔሩ። እንተዀነ መንግስቲ ኣልጄርያ፡ ድሕነት ዜጋታቱ ንምውሓስ ዝከኣኣሎ ይገብር ከምዘሎን ወኪላት ሕቡራት ሃገራትን ሃገራት ኣፍሪቃን ነቲ ጉዳይ ኣብ ምግጣም ክሕግዛ ኸምዝግባእ ብምግላጽ ነቲ ጸብጻብ ነጺግዎ።
ኣብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ላዕለዋይ ሓላፊ ዝዀነ ሓሰን ቓስሚ ብግንቦት ኣብ ዝሃቦ ቓል “ማዕበል ስደት ንደቡብ ኣልጄርያ ይወርር ኣሎ፡” ኢሉ ኔሩ። ወሲኹ፡ “ኣልጄርያ ንህዝቢ ካልኦት ሃገራት ሓላፍነት ኣይትስከምን እያ፥” ይብል።
ኣይ ኦ ኤም ኣብ 2016፡ መብዛሕትኦም ካብ ኣልጄርያ ኣብ ዝተመልሱ 6,300 ስደተኛታት መጽናዕቲ ኣካይዱ። ብመሰረት ጸብጻም ቶምሰን ሮይተርስ ፋውንዴይሽን፡ ስሳን ሓሙሽተን ካብ ሚእቲ ናይቶም ኣብ ኣልጄርያ ተቐሚጦም ዝነበሩ ጐነጽን ዓመጽን ከምዝወረዶም ክገልጹ ኸለዉ፡ እቲ ቝጽሪ ካብቶም ተመሳሳሊ ተመኵሮ ኸምዘጋጠሞም ዝገልጹ 61% ናይቶም ኣብ ሊብያ ዝነበሩ ይዓቢ።
ኒዤር ብተደጋጋሚ እያ ነቲ ንዜጋታታ ኣብ ኣልጄርያ ዝወርዶም ዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ከተሰምዓሉ ኸላ፡ ኣብ ጊኒ፡ ጋቦንን ኒዤርን ዝርከባ በርጌሳዊ ማሕበራት ነቲ ጉዳይ ከልዕሎ ንኣፍሪቃዊ ሕብረት ክጽውዓ እየን ጸኒሐን።
TMP – 18/07/2018
ስእሊ፦ ኣይ ኦ ኤም 2016 / ኣማንዳ ኔሮ። ካብ ኣልጄርያ ዝተሰጐጉ ተመለስቲ ካብ ናይ ኣይ ኦ ኤም መሰጋገሪ ነቝጣ ካብ ኣጋዴዝ ናብ ሃገራቶም ይብገሱ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ