ጀርመን ኣብ 2018 ዝወሓደ ሕቶታት ዑቕባ ተቐቢላ
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ጀርመን ሆርስት ዘይሆፈር፡ ኣብ 2018 ኣብ ጀርመን ዝቐረበ ሕቶታት ዑቕባ ብርኡይ ምቕናሱ ንኻልኣይ ዓመት ዝቐጸለ ምንባሩ ገሊጹ።
“ንዋሕዚ ስደተኛታት ተቛጻጺርናዮ ኢና፡ ስርዓትን ንጹር ክሰዓብ ክኢሉ ዘሎ ሕግታትን ፈጢርና ኢና፡” ይብል ኣብቲ ብ23 ጥሪ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ። “እዚ ግን ናብቲ ንደልዮ ዕላማ በጺሕና ንምባል ኣይኰነን።”
ኣብ 2018 ዝተመዝገበ 162,000 ሕቶታት ዑቕባ ካብቲ ናይ 2017 ብ13 ሚእታዊት ዝትሕት እዩ ኔሩ። መብዛሕትኦም ኣመልከትቲ ካብ ሶርያ፡ ዒራቕ፡ ኣፍጋኒስታንን ኢራንን ዝተሰደዱ እዮም ኔሮም። እቶም ዝመለከቱ ካብ ዑቕባ ዝሓታ ዘለዋ ኣዴታት ዝተወልዱ ትሕቲ ዓመት ዝዕድሚኦም 32,000 ናጽላታት ይርከብዎም።
ዘይሆፈር እቲ ምቕናስ ሕቶታት ዑቕባ ውጽኢት ተርሪ ምቍጽጻር ዶባትን ምስ ቱርኪ ዘሎ ካብታ ሃገር ናብ ኤውሮጳ ዝኣተዉ ሓተትቲ ዑቕባን ዘይሕጋውያን ስደተኛታትን ናብታ ሃገር ክምለሱ ዝተበጽሐ ስምምዕን ምዃኑ ገሊጹ። ተንተንቲ እቲ ምቕናስ ውጽኢት ናይቲ ኣብ ዒራቕን ሶርያን ዝተራእየ ምቕናስ ጐነጽ ውን ክኸውን ከምዝኽእል ይገልጹ።
ኣብ 2015-16 ጀርመን ሓንቲ ኻብተን ዝበዝሑ ስደተኛታት ዝቕበላ ሃገራት እያ ኔራ። መብዛሕትኦም ካብ ሶርያ ዝዀኑ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ስደተኛታት ዑቕባ ተዋሂቦም። እንተዀነ ኣብ 2017 ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ብዙሓት ዜጋታት ብዛዕባ ብዝሒ ስደተኛታት ሕጉሳት ከምዘይነበሩ ኣርእዩ። ካብቲ እዋን ንደሓር ኣገባባት እታ ሃገር ቁጽሪ ስደተኛታት ዝዓለመ ዀይኑ። እቲ ኣገባባት ከም ምውሳን ቁጽሪ ምስ ስድርኦም ክጽንበሩ ዝኽእሉ ሰባት ኣብ ወርሒ 1000 ጥራይ ክኸውን ምውሳን ይርከቦ። ብድምር፡ ካብ ኣፍጋኒስታን 12,000 ጉዳያት ካብ ሶርያ ድማ 46,000 ጉዳያት ቅቡላት ኰይኖም። ብዝሒ ተቐባልነት ዝርከብ ናይ ምጥርናፍ ስድራቤት ጉዳያት ኣብዚ እዋን 35 ሚእታዊት ናይቶም ዘመልከቱ ምዃኑ ካብቲ ናይ 2017 ዝነበረ 43 ሚእታዊት ርኡይ ምንቍልቋል እዩ።
ልዕሊ 16,000 ዘመልከትዎ ሕቶ ዝተነጽጎም ኣፍጋናውያን ሓተትቲ ዑቕባ ኣብዚ እዋን ምጥራዝ ይጽበዮም ኣሎ። ካብ ታሕሳስ 2016 ንነጀው 430 ዝተነጽጉ ሓተትቲ ዑቕባ ዝሓዘ 20 በረራታት ኣብ ካቡል፡ ርእሰ ኸተማ ኣፍጋኒስታን ዓሊበን ኣለዋ።
TMP – 22/02/2019
ስእሊ፡- ቻንስለር ጀርመን ኣንገላ መርከልን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሆርስት ዘይሆፈርን ናብ ክፍሊ ጋዜጣዊ መግለጺ እናኣተዉ። photocosmos1/Shutterstock
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ