ግጭት ፖሊስን ስደተኛታትን ኣብ መዳጐኒ ስደተኛታት ሊብያ
ቪድዮ፦ ድሕሪ መጥቃዕቲ ፖሊስ 5 ነሓሰ ኣብ መዳጐኒ ማእከል ትሪፖሊ ዘጋጠመ ዕግርግር
ኣብ ጣርቕ ኣልመጠር ዝተባህለ ኣብ ትሪፖሊ ዝርከብ መዳጐኒ ማእከል፡ ስደተኛታት ካብቲ ማእከል ክሽየጡ ምውሳዶም ንምቅዋም ተዳጐንቲ ኣብ ዝኣደሙሉ፡ ከህድእዎ ዝኸዱ ፖሊስ ምስ ስደተኛታት ተጋጭዮም።
ናብ ዘ ማይግራንት ፕሮጀክት ብፈይስቡክ ካብ ሓደ ኢትዮጵያዊ ስደተኛ ዝተላእከ ናይ ድምጺ መልእኽቲ፡ ሓገዝ ክግበረሎም ብምሕታት ስደተኛታት ናብ ሸየጥቲ ሰብ ክሽየጡ ኻብቲ ማእከል ይውስዱ ኸምዘለዉ ሓቢሩ።
እቲ ኢትዮጵያዊ ስደተኛ ንሱን ብጾቱ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታትን ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ናብ ኣብ ግብጺ ዝርከብ ኤምባሲ ሃገሮም ሓገዝ ንምሕታት ከምዝደወሉ ገሊጹ። ስእልታቶምን ኣስማቶምን ናብቲ ኤምባሲ ምስሰደዱ ድሕሪ ገለ እዋን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዘኽእሎም ናይ ጉዕዞ ሰነዳት ናብ ሰብመዚ ሊብያ ኸምዝተላእከ ተሓቢርዎም። እንተዀነ ግና ድሕሪ እቲ ግዜ ካብ ሰብመዚ ሊብያ ይኹን ካብ ኤምባሲኦም ዝሰምዕዎ ኸምዘየሎ እቲ ስደተኛ ይገልጽ።
ቢቢሲ ትግርኛ ብወገኑ ካብ ሓደ ኣብቲ ማእከል ዝተዳጐነ ኤርትራዊ ጻውዒት ተሌፎን ድሕሪ ምቕባል፡ ካብቲ ቦታ ስደተኛታት ንምጭዋይ ብዛዕባ ዝተኻየደ ፈተነ ጸብጻብ ኣቕሪቡ።
እቲ ዮናስ ተባሂሉ ተጸዊዑ ዘሎ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ 1,500 ዝዀኑ ኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያውያን፡ ሶማላውያንን ካልኦት ኣፍሪቃውያንን ዜጋታት ኣብቲ እኹል ንፋስ ዘይኣትዎ፡ ኣዝዩ ረሳሕ፡ ልዕሊ ዓቕሙ ብሰባት ዘዕለቕለቐ ቦታ፡ ኣዝዩ ውሑድ ማይን መግብን ጥራይ እናተዋህቦም ተዓጽዮም ከምዘለዉ ገሊጹ። ብዙሓት ስደተኛታት ብሰንኪ ሕጽረት ትንፋስን ዓባይ ሰዓልን ከምዝሞቱውን ሓቢሩ።
“ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተ መዓልቲ ሰለስተ ሰባት ሞይቶም፡” ክብል ንቢቢሲ ይሕብር እቲ ስደተኛ።
ኢጣልያዊት ገጽ መርበብ ኣቨኒረ ብወገና ምሸት 5 ነሓሰ ኣብ መንጎ እቶም ናብ ካልእ ማእከላት ከስግርዎም ምዃኖም እናገለጹ ስደተኛታት እሱራት ዝወስዱ ዝነበሩ ፖሊስን እቶም ተዳጐንትን ግጭት ከምዝተፈጥረ ሓቢራ።
ሓደ ሶማላውን 19 ኤርትራውያንን ካብቲ ቦታ ምስተወስዱ እቶም እሱራት ክልተ ፍርናሻት ኣቃጺሎም። ፖሊስ ዘንብዕ ጋዝ ብምጥቃምን ነቶም ስደተኛታት ብምቕጥቃጥን ነቲ ነውጺ ኸህድዎ ኽፍትኑ ኸለዉ ሰለስተ ስደተኛታት ቈሲሎም።
ኣቨኒረ ብተወሳኺ፡ ሊብያውያን፡ ነቲ ማእከላት ብስም ናይ ድሕነት ስክፍታታት ብምዕጻውን ዘይተመዝገቡ ስደተኛታት ናብ ሸየጥቲ ሰባት ክሽየጡ ብምውሳድን፡ ነቲ ብተወካሊ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር) ዝካየድ ናይ ምዝገባ መስርሕ ከምዘደናጕይዎ ሓቢራ።
ብመሰረት ሓደ ሊብያዊ ምንጪ፡ ብ6 ነሓሰ ሓደ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ዲፕሎማት ናብቲ ዝተጠቕሰ ማእከል ክበጽሕ ምስቀረበ፡ መሕተቲ ፍቓድ ኣብ እዋኑ ኸምዘየረከበ መኽንያት ብምቕራብ ካብ ምእታው ከምዝተኸልከልዎ ኣቨኒረ ትሕብር።
እቲ ዮናስ ተባሂሉ ዝተጠቕሰ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ካብ ኤርትራ ቕድሚ ኣርባዕተ ዓመት ናብ ኢትዮጵያ ኸምዝሰገረን ጸኒሑ ናብ ሱዳን ከምዘምርሐን፡ ካብኡ ድማ ሊብያ ንምብጻሕ 3,500 ዶላር ከምዝኸፈለ ገሊጹ።
ክልተ ሰሙን ምስተጓዕዙ ምስ ብጾቱ ብዕጡቓት ጭፍራ ተታሒዞም። እቲ ዝተሓተቶ ናይ 5,000 ዶላር በጃ ክኸፍል ስለዘይከኣለ ሰለስተ ግዜ ንጸለቕ ከምዝተሸጠን፡ ካብቲ ተዓጽዮምሉ ዝነበሩሉ ቦታ ሰሪቖም ክወስድዎም ዝደለዩ ካልእት ጭፍራ መጥቃዕቲ ምስፈጸሙ ኽሃድም ከምዝኸኣለን ይገልጽ።
ድሕሪ ምምላጡ ፖሊስ ሒዞም ናብ መዳጐኒ ማእከል ጣርቕ ኣልመጠር ትሪፖሊ ወሲዶሞ።
“ሕማቕ ኢና ዘለና፡ ብዙሓት ነብሶም ብዛዕባ ምቕታል እዮም ዝዛረቡ። ናብ ኤርትራ ኽንከይድ ኣይንኽእልን ኢና፡ ኤውሮጳ ድማ ኣይተደልየናን እያ፡” ክብል ሓደ ኣቨኒረ ኣብ ጸብጻባ ዝጠቐሰቶ ኻልእ ስደተኛ ነቲ ዘለውዎ ኹነታት ይገልጾ።
YMP – 03/09/2018
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ