ሶማላዊ ስደተኛ ኣብ መዳጐኒ ሊብያ ነብሱ ኣጥፊኡ
ወዲ 28 ዓመት ሶማላዊ ስደተኛ ኣብቲ ኣብ ትሪፖሊ ኣብ ዝርከብ ጣርቕ ኣ-ሲካ ዝተባህለ መዳጐኒ ማእከል ህይወቱ ኸምዘሕለፈ፡ ንመተኣስርቱ ብምጥቃስ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ሓቢሩ።
ብመሰረት ጸብጻብ ኣልጀዚራ፡ መተኣስርቱ ኸምዝገለጽዎ፡ ዓብደልዓዚዝ ካብ ጀነረይተር ኣብ ነብሱ ነዳዲ ኸስኪሱ እዩ ንነብሱ ኣቃጺሉ። እዚ ዘጋጠመ ካብ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝመጹ ሓለፍቲ ካብ ሊብያ ናብ ካልእ ሃገር ክውሰድ ተስፋ ኸምዘይብሉ ምስሓበርዎ ዘጋጠመ እዩ።
ድሕሪ እቲ መልሲ ፈጺሙ ተስፋ ኸምዘዕረበ መተኣስርቱ ይገልጹ።
ወኪል ስደተኛታት ው.ሕ.ሃ እቲ ርእሰቕትለት ምስ ዑደቶም ዘተኣሳስር ከምዘይብሉን ዓብዱልዓዚዝ ዝመጽእ ወርሒ ናብ ኒዤር ክውሰድ ተመዲቡሉ ኸምዝነበረን እኳ እንተገለጹ፡ ንምንታይ ንሱ ኸዘይፈለጠ ንጹር ኣይኰነን። ናብ ትሪፖሊ ተወሲዱ ኣብ ሆስፒታል ጽዑቕ ክንክን እኳ እንተተገብረሉ፡ ጸኒሑ ግን ከምዝዓረፈ ኣይ ኦ ኤም ገሊጹ።
ብዙሓት ካብቶም ኣብቲ መዳጐኒ ማእከል ዝርከቡ ስደተኛታት ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣብ ባሕሪ ምስተዓግቱ ተታሒዞም ዝተመልሱ እዮም። ወኪላት ረድኤት ነቲ ኣገባብ ዝዅንንኦ ክዀና ኸለዋ፡ ኣብ መስከረም 2018 ወኪል ስደተኛታት ው.ሕ.ሃ ንመመርሒኡ ብምሕዳስ ሊብያ ስደተኛታት ክመስዋ ውሕስቲ ሃገር ከምዘይኰነት ኣፍሊጡ።
ብመሰረት ሓበሬታ ስደተኛታት፡ ጣርቕ ኣ-ሲካ ብሰንኪ ሸለልትነት ኣተሓሕዛ እቲ ማእከልን ኣብኡ ዝወርድ ዓመጽን ካብቶም ዝኸፍኡ ስደተኛታት ክተሓዙሎም ዝኽእሉ ቦታታት እዩ። እቲ ማእከል ዝሕዞም 400 ሰባት ዝበዝሕ ሰዓታት ኣብ ጸማት ተዓጽዮም የሕልውፍዎ።
“ዳርጋ ገሃነም’ዩ፡” ክብል ይገልጾ ምስ ኣልጀዚራ ዝተዘራረበ ኣቐዲሙ ኣብኡ ተዳጒኑ ዝነበረ ስደተኛ። “ጽዩፍ ቦታ’ዩ።” እቶም ስደተኛታት መብዛሕትኦም ካብ ኤርትራን ሶማልያ ዝተበገሱ እኳ እንተዀኑ፡ ኢትዮጵያውያን፡ ሱዳናውያን፡ የመናውያን፡ ሶርያውያንን ደቡብ ሱዳናውያንን ይርከብዎም።
ኣብቲ ማእከል ዝርከቡ 30 ዝዀኑ ምርዑዋት ጽምድታት ኣብ ሰሙን ን10 ደቒቕ ተራኺቦም ክዘራረቡ ይፍቀደሎም። ነብሱ ዘጥፍአ ዓብዱልዓዚዝ በዓል ሓደር ዝነበረ ክኸውን ከሎ፡ በዓልቲ ቤቱ ኣብቲ ማእከል ትርከብ።
እቲ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብዚ ጉዕዞ ዘጋጥሞም መከራ ብዝተፈላለየ መገዲ ይንጸባረቕ። ሓደ ኻብቶም እሱራት ንኣልጀዚራ ኸምዝገለጾ፡ ገለ ኻብቶም ተዳጒኖም ዘለዉ በይኖም ይዛረቡ፡ ኣብ ዓይኒምድሪ ይድቅሱ ከምኡ ውን “ብግዕዙይ ነገራት ይጻወቱ።”
“ማእሰርቲ ንኣእምሮ ኣዝዩ ብርቱዕ ነገር’ዩ። ኣብ ምእሰርቲ ንነዊሕ ግዜ ብዘይዝዀነ ነገር እንተጸኒሕካ ክትመውት ወይ ክትዓብድ ኣለካ። እዚ ቤት ማእሰርቲ እዚ ንሰብ ኣዝዩ፡ ኣዝዩ ብርቱዕ ዝዀነ ቦታ እዩ።”
ኣቐዲሞም ኣብኡ ተኣሲሮም ዝነበሩ ስደተኛታት እቶም ዘብዐኛታት ካብቶም ተዳጐንቲ ወሲዶም ናብ ኣሳገርቲ ይሸጡ ኸምዝነበሩ ይገልጹ። “እዞም ሊብያውያን ከም ምንጪ ኣታዊ ጥራይ እዮም ዝርእዩኻ፡” ይብል ሓደ ኻብኣቶም።
እንተወሓዱ 5,400 ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ተዳጒኖም ከምዘለዉ ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር ይሕብር። እቲ ወኪል ስደተኛታት ዝያዳ ሃገራት ስደተኛታት ክሕግዛ ምሕጽንታ ከቕርብ ጸኒሑ እዩ።
ስእሊ:- ኤም ኤስ ኤፍ/ ትዊተር/ ምስ ልዑል ምውሳኽ ቁጽሪ ኣብ ባሕሪ ተታሒዞም ናብ ሊብያ ዝምለሱ ስደተኛታት ኣብ መዳጐኒ ማእከላት ሊብያ ዘሎ ኹነታት እናኽፍአ ይኸይድ ኣሎ።
TMP – 11/12/2018
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ