ኣብ 2018 ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ከባቢ 10,000 ዘይሕጋውያ ስደተኛታት ካብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ናብ ሊብያ መሊሱ

ኣብ 2018፡ ኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩን ክሰግሩ ኣብ ሓደጋ ዝወደቑን ከባቢ 10,000 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናብ ሊብያ ከምዝመለሰ ተሓቢሩ። እቲ ኣሃዝ፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ብሓደ ተቛዋሚ ሰልፊ ሃገሩ ንዝተኻየደ መጽናዕቲ መርኲስ ብምግባር’ዩ ብ 18 መስከረም ኣውጺእዎ።

ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣብ ምድሓንን ምዕጋትን ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ካብ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝተፈላለዩ ሓገዛት ይግበረሉ ምህላው ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ናይ’ዚ ዓመት መንግስቲ ጥልያን ኣብ ማያዊ ግዝኣቱ ስደተኛታት ናይ ምዕጋትን ምድሓንን ሓላፍነት ናብ ኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ዝውዝዕ ስምምዕ ምኽታሙ ይዝከር። ብዘይካ’ዚ፡ መንግስቲ ጥልያን ናይ ምግባር ዓቕሚ ኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሊ ሊብያ ንምትርናዕ ናይ ኮለላ ጀላቡን ዝተፈላለዩ ስልጠናታትን ይህብ ምህላው ይንገር።

ሚኒስተር ምክልኻል ጥልያን ኤሊዛቤታ ትሬንታ ንማዕከን ዜና ስካይ-24 ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ሓላፍነት ናይ’ቶም  ንሊብያን ጥልያን ኣብ ዘዳውብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ዝካየዱ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናይ ምድሓ፡ምዕጋትን፡ ከምኡ’ውን ምምላስ ስራሓት ወሲዱ ምህላው፤ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ነዚ ስራሕ እዚ ብቑዕ ከምዝኸውን ምግባር ድማ መንግስቲ ጥልያን ናይ ስልጠናን ሎጂስቲክን ሓገዛት ይቕርብ ምህላው ኣረዲኣ።

ኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ነቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝቕይደኦም ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ናብ ዝርከቡ መዳጎኒ ማእከላት ከምዘእትወኦም እዩ ዝግለጽ። እተን መዳጎኒ ማእከላት ውሑስ ትሕተ-ቅርጺን እኹል መሰረታዊ ጠለባት ሂወት ዘይብለንን እንዳኾና ልዑል ቊጽሪ ስደተኛታት ጸፍጺፈን ምህላወን’ዩ’ውን ብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወቐሳታት ዝስማዕ ዘሎ።  ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሊብያ ብእዋናዊ ሓባራዊ መንግስቲ እታ ሃገር ዝመሓደራ ልዕሊ 20 መዳጎኒ ማእከላት ምህላወን፥ ኣብተን ማእከላት ድማ ካብ 8,000 ክሳዕ 10,000 ስደተኛታት ተዳጒኖም ከምዘለው ይኣምን።

ድሕሪ’ቲ ብ ዓረባዊ-ቀውዒ ዝተሰምየ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ገዘፍቲ ፖለቲካዊ ምቅይያራት ዘስዓበ ህዝባዊ ናዕቢ ፡ ኣብ 2011 ንምልካዊ መራሒኣ ሞዓመር ጋዳፊ ዝኣለየት ሊብያ፡ ኣብ’ዚ እዋን እዚ ኣብ ዓሚቚ ፖለቲካውን ጸጥታውን ውድቀት ተሸሚማ ምህላዋ እዩ ዝፍለጥ።

ኣብ ናይ ቀረባ ምዕባለታት፡ ኣብ ሊብያ ብውሕስነት ውድብ ሕቡራት ተበጺሑ ዝጸንሐ ተዂሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ክልተ ሰሙን ከየቚጸረ በቲ ብ 17 መስከረም ዝተኸስተ ሓድሽ ግጭት ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለያ ሓይልታት ሊብያ ምፍራሱ ተገሊጹ። ኣብ’ዘ ዝሓለፋ ውሑዳት ኣዋርሕ ኣብ ሊብያ ብዝዓረጉ ብረታዊ ጎነጽ ጎደናታት፡ መብዛሕትኣኦም ካብ ሶማል፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝኾኑ ኣብ’ታ ሃገር ዝርከቡ ስደተኛታት ንሂወቶም ብምስጋእ ካብ ዝነብሩሉ መዳጎኒ ማእከላት  ብዋኒኖም ክወጽኡን ጸኒሖም ብገለ ሓይልታት ጸጥታ ሊብያ ተገፊፎም ናብ ካልኦት መዳጎኒ ማእከላት ክጽንበሩን ይግበር ኣሎ።

ከም ሳዕቤን ናይ’ዚ ኣብ’ተን ናይ መዳጎኒ ማእከላት ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ ወዲቚ ንዘሎ ኩነታቶም ኣቓልቦ ኽወሃቦ መግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማታትን ጎነጻዊ ተቛውሞታትን የርእዩ ምህላዎም፡ ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ናይ ነሓሰ 2018 ወርሓዊ ጸብጻቡ የረድእ።

TMP – 21/09/2018

ስእሊ፡www.alaraby.co.uk ፣ ብዓሰርተታት ዝቚጸሩ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ብሓንቲ ኣሃዱ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ተታሒዞም ናብ ሊብያ እንዳተመልሱ